Friday, February 1, 2013

ኣብ ዞባ ዳውሮ ተቓውሞ መሪሖም ተባሂሎም ዝተጠቀኑ ሰባት ከም ዝተኣሰሩ ተፈሊጡ፣



ኣብ ዞባ ዳውሮ፤ ወረዳ ማረቃ ካብ ወረዳን ክልልን ምስ ማሕበራውን ፖለቲካውን ሕቶታት ብዝተተሓሓዘ ዝተፈጠረ ግጭት መሪሖም ካብ መንጎ ዝተባሃሉ ኣቶ ዱባለ ገበየሁ፤ ኣቶ ጎሳሁን ዶሳ ዶሻን ኣቶ ግዛቸው ታደሰ ከበደን ኣብ ዝሓለፈ ማዓልቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከም ዝወዓሉ ተፈሊጡ፣

ኣብ ዞባ ዝረአ ዘይምርግጋእ ዘተሓሳሰቦ መንግስቲ። ግለሰባት ኣብ ከባቢ ዝግበር ተቓውሞ ኣብ ምውዳብ ኢድ ኣለዎም ብዝብል ከም ዝኣሰሮም። ሕዚ ኣብ እስር ቤት ዝርከቡ ናይ ኢትዮጵያ ዴሞክራሲያዊ ሓይሊ ውድብ። ናይ ክልል ደቡብ ዋና ወዳቢ ኣቶ ዱባለ ገበየሁ ገሊፆም፣

ኣቶ ዱባለ ኣብ ክልል ዘሎ ሽግር ሰናይ ምምሕዳር ንሶም ኣባል ኢህወዴግ ኣብ ዝነበሩሉ ጊዜ ብፍላይ ናይ ክልል ምክትል ፕሬዚዳንት ናይ ደኢህዴግ ናይ ፖለቲካ ጉዳይ ሓላፊ ዝኾነ ኣቶ ኣለማየሁ ኣሰፋ ንኣዝማዱ እናሾመ እዩ። ብምባል ገምጊሞሞም ከም ዝነበሩን ሕዚ ዝበፅሖም በደልውን ናሃቱ ቂም ምዃኑ ገሊፆም፣  ኣብ ሕዚ ሰዓት ምስ ኣቶ ዱባለ ኣብ እሱር ዝርከቡ ናይ ወረዳ ማረቃ ዓቃቢ ሕጊ ምዃኖም ኣቶ ዱባለ ወሲኾም ገሊፆም፣

ኣብ ወረዳ ማረቃ ኣብ ከባቢ ማሪ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብዝተላዓለ ናይ ህዝቢ ዓመፅ እቲ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ፖሊስ ስጉምቲ ከም ዝወሰደ ይፍለጥ፣ ሻለቃ በዛብህ ገዝሙ ዝተበሃሉ ናይ ዞባ ላዕለዋይ ኣመራርሓ ፖሊስን ሓደ ወታሃደርን ብእምኒ እንትውቅዑ ሓደ ናይ መንግስቲ መኪና ተሰባቢሩ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ምዃኖምን መንገዲ መኪና ብምኹዓት ርክብ ክቋረፅ ምግባሮም ካብቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣

ፌዴራል ፖሊስ ውን ካብ ዝሓለፈ ማዓልቲ ጀሚሩ ነቲ ከባቢ ምቁፅፃሩ ተፈሊጡ፣ ነዚ ግጭት መበገሲ ዝኾነ ናይ ከባቢ ካድረታት ከም ዝብልዎ። መንግስቲ እዩ ናይ ከተማታት ማሪናን ዋካን ህዝቢ ንኽጋጮ እናገበረ ዘሎ ብምባል ብምዝራቦም ምዃኑ ተፈሊጡ፣