ከም ሓበሬታ እቶም ተማሃሮ። ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ኣብ’ቲ ቀፅሪ ዩንቨርሲቲ ዘሎ ፀገም ፅሩይ ማይ፤ መሕፀብን መፃራረይን ካልኦት ኣገልግሎታትን ኣይተማለአን ብዝብል ተቓዉሞ ኣልዕሎም ብምንባሮም። ዓርሰ ቅትለት ናይዛ ተማሃሪት ምስ’ዚ ብዝተኣሳሰረ ክኸዉን ከም ዝኽእል እቶም ተማሃሮ ኣረዲኦም፣
ኣስዒቦም እዞም ምስኣ ዝመሃሩ ዝነበሩ መሕዙታ ተማሃሮ። ዓርሰ ቅትለት ዝፈፀመት ተምሃሪት ገነት ጌታቸው። ኣብ ትምህርታ ፍሉይ ተገዳስነት ከም ዝነበራን ኣብቲ ዩንቨርሲቲ ካብ ትኣቱ ኣትሒዛ ክሳብ እቲ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙን ዘካየድዎ ተቓዉሞ ዉፅኢት ትምህርታ ልዑል ምንባሩ ድሕሪ ምግላፆም። እንተኾነ እቲ ዘልዓልዎ ሕቶ ሰማዒ ኣካል ብዘይምርካቡ። መብዛሕትኡ ተማሃራይ ካብ ቤተሰቡ ብዝለኣኸሉ ገንዘብ ዝስተ ጎማ ማይ ገዚኡ እንትጥቀም። ንሳ ግና በዚ ምኽንያት ብቐፃሊ ንቤተሰባ ክተሸግር ፍቓደኛ ከም ዘይኮነት ትዛረብ ከም ዝነብረትን። ካብቲ ተቓዉሞ ዘካየድሉ ግዜ ንዳሓር ምንቅስቓሳ ፅቡቕ ብዘይምንባሩ በዚ ምኽንያት ሂወታ ከተሐልፍ ተገዲዳ ክትከዉን ከም ትኽእል ኣገንዚቦም፣
ኣብቲ ዩንቨርስቲ ዝመሃሩ ተምሃሮ ብሓፈሻ ካብቲ
ስርዓት ዝረኽብዎ ሓገዝ ስለ ዘየለ። ኣብ ልዕሊኦም ተፃዒኑ ዘሎ ፀገማት ማሕበራዊ ኣገልግሎትን ካልኦት ሽግራትን ሸክሚ ቤተሰቦም
ክኾኑ ጌርዎም ብምህላው። መብዛሕትኦም ተማሃሮ ብናይ ባዕሎም ወፃኢ ንምምላእ ዓቕሚ ብምስኣኖም ንዓመታት ዝፀዓርሉ ትምህርቶም
ኣቋሪፆም ብዘይፍረ ክተርፉን ንካልኦት ፀገማት ዘቃልዕ ግዳይ ክኾኑን ይረአዩ ከም ዘለው ንኩነታት እቲ ዩንቨርሲቲ ብቐረባ
ዝፈልጡ ዜጋታት የረድኡ፣