Friday, February 8, 2013

ኣብ ክልል ድቡብ ዞባ ከፋ ወረዳ ጫና ዝርከቡ ናይ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ መምሃራን ብሕፅረት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣብ ፀገም ከም ዘለው ተሓቢሩ፣



እቶም መምህራን ኣብ ዝምህርሉ ከባቢ ሕፅረት ዝስተ ፅሩይ ማይ፤ መብራህትን መንበሪ ገዛን ከም ዘሎ ካብ ቅድሚ ክልተ ዓመት ጀሚሮም ክሳብ ናብ ወረዳ ብምኻድ በብግዚኡ ክሓቱ እንተፀንሑ ኣማሓዳሪ ወረዳ እቲ ወረዳ ጫና ናብ ኣቶ ወዳጄ ወልደምካኤል ዝተባሃለ ናይ ቀበሌኹም ምምሕዳር ፅሒፈልኩም ኢና እሉ ምስ መለሶም ናብ ቀበሌ ከይዶም እንተሓተቱ‘ውን እቲ ሓላፊ ቀበሌ ወረቀት ከም ዘይተለኣኸሉ ምግላፁ ከም ዘሕዘኖም እቶም መምህራን ብምረት ኣረዲኦም፣

ብተወሳኺ እዚ ንመምሃራን ኣጋጢሙ ዘሎ ናይ መናባብሮ ፀገም ኣብ ኩሎም ኣብታ ወረዳ ዘለው እንተይኮነስ ኣባላት ውድብ ንዝኾኑ እንትማለኣሎም ኣባላት ውድብ ኢህወደግ ንዘይኮኑ መምህራን ካኣ ኣብ ከቢድ ፀገም ከም ዘለውን ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ብምትሕሓዝ ናይ መረፃ ካርድ’ውን ብኣስገዳድ ክወስዱ ይሕተቱ ከም ዘለው ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣