እዞም ብናይ መስኖ ሕርሻ ዝናበሩ ተወለድቲ እቲ ከባቢ ንዓመታት ክጥቀምሉ
ዝፀንሑ ኣብ ገምገም ሩባ ኣዋሽ ዝርከብ ልሙዕ ናይ ሕርሻ መሬቶም ንኢንቨስተራት ንክወሃብ ተባሂሉ ገሌ ናብ ዝበሃል
ምንም ዓይነት ናይ መሰረተ ልምዓት ኮነ ንወዲ ሰብ ዘድልይ ማይ ናብ ዘይብሉ ምድረበዳ ይወስድዎም ከም ዘለው ካብቲ ከባቢ
ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣
ብመሰረት
እቲ ሓበሬታ ንተወለድቲ ገምግም ሩባ ኣዋሽ ክጉስጉስን ከእምንን ሓንፈሬ ዓሊ ምራሕ ዝተባሃለ ተወላዲ ብሄር ዓፋር ካብ ኤመሪካ ክመፅእ ብምግባር ነቲ ናብ ምድረ በዳ ዝተፈናቐለ ህዝቢ ከእምን
ብሄሎኮፕተር ኣዋሽ፤ ኣሳይታ፤ በራሕለይ እዋ ጭፍራን ኣፋምቦን ብምዛር የርእይዎ ከም ዘለው ተፈሊጡ፣
እዚ
ከምዚ እሉ እንከሎ ህዝቢ እቲ ከባቢ እቲ ብወያነ ኢህወደግ ኣብ ልዕሊኦም ዝፍፅሞ ዘሎ ኢ-ፍትሓዊ ተግባር ብምቅዋሞም ኣብ ከባቢ
ገምገም ሩባ ኣዋሽ ስግኣት ተፈጢሩ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣