እቲ
“ነፃናት ሃይማኖት ይከበር፤ መንግስቲ ብሕገ መንግስቲ ተቐይዱ ይኽድ። መንግስቲ ኣብ ሃይማኖት ጣልቃ ምእታዉ ጠጠዉ የብልን
ወዘተ” ብዝብል መሪሕ ጭርሖ። ኣብ ዉሽጢን ወፃኢን ብዝነብሩ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ሃይማኖት ኢትዮጵያዉያን ንልዕሊ ሓደ
ዓመት ክካየድ ዝፀንሐን ዘሎን ህዝባዊ ተቓዉሞ ዘይምስሉ ንምትሓዝ። ብደራስትን ዳይረክተራትን መራሕቲ ስርዓት ወያነ
ተቐናብሩ ዝተዳለወ “ጅሃዳዊ ሃረካት” ዝብል ፊልም። 28 ጥሪ
2005 ዓ.ም ምሸት ዝተፈነወ ድራማ ናይቲ ቅድሚ ሕዚ እናገበርዎ
ዝመፁ መቐፀልታ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ምሁራትን ተዓዘብትን ገሊፆም፣
ኣቶ
ዑመር ዝተበሃሉ ወገን ። እቲ ብሓሶት ዝተቐናበረ ድራማ ስርዓት ወያነ ተኸተልቲ እምነት እስላምናን ክርስትናን ብምግጫዉ ነቲ
ስኢንዎ ዘሎ ህዝባዊ ድጋፍ መሊሱ ንምርካብ ዝገብሮ ዘሎ ዓቕሊ ፅበት ፈተነ ምዃኑ ምስ ገለፁ። ህዝቢ ኢትዮጵያ ጭዋን ፈላጥን
ብምዃኑ ብፕሮፖጋንዳ መንግስቲ ስርዓት ወያነ ተታሊሉ ንዘመናት ዓቂብዎ ዝፀነሐ ሕዉነታዊ ምክእኣል ክልትኡ ሃይማኖት ኣፍሪሱ
ንባእሲ ኣይብገስን ኢሎም፣
መራሕቲ መንግስቲ ስርዓት ወያነ ሓሶት ሚሂዞም ህዝቢ ምስ ህዝቢ ብምንቋት
ዕድመ ስልጣኖም ምንዋሕ ዝብል ኣካይዳ። ካብ ሕሉፍ ጀሚሮም ክጥቀምሉ ዝፀንሑ ልሙድ ተግባሮም ኢኳ እንተኾነ። ካብ ትማሊ ሎሚ
ካብ ሎሚ ድማ ፅባሕ እናገደደ ይኸይድ ብምህላዉ ንቡዛሓት ሰብ ሞያ ሕግን ካልኦት ኣካላት ሕብረትሰብን ኣገሪሙ ቀንዲ መዘራረቢ ርእሲ ኮይኑ ከም ዘሎ ካብቲ ሓበሬታ ንምፍላጥ
ተኻኢሉ፣ስርዓት ወያነ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ክርስትና ውን
ተማሳሳሊ ድራማ ክሰርሕ ከም ዝኽእል ገለ ወገናት ኣብ ምግላፅ ይርከቡ፣