Friday, February 8, 2013

ኣብ 108 ኮር መበል 33 ክፍለ ሰራዊት ሻውዓይ ረጅመንት ናይ 4ይ ሻምበል ወተሃደራት ኣብ መሸጢ ሓፁር ኮይኖም ወተሃደራዊ ስርሖም ብኣስገዳድ ይፍፅሙ ከም ዘለው ካብታ ረጅመንት ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣፍሊጡ፣



ኣብ ማእኸላይ እዚ ኣብ 108 ኮር ናይ መበል 33 ክፍለ ሰራዊት ሻውዓይ ረጅመንት ኣብ ዝባን ገደና ዝርከቡ ኣባላት 4ይ ሻምበል እቲ  ድሕሪ ሸውዓተ ዓመት ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ክትሳናበት ትኽእል ኢኻ ዝብል ድንቢ ኣብ ተግባር ክሰርሕሉ ብዘይምራዮም ኣባላት እታ ሻምበል ደጋጊሞም ብምሕታቶም ኣብ ውሽጢ ሓፁር ኮይኖም ወተሃደራዊ ስራሕቶም ምስራሕ ካብ ናይ ቃልቲ ቤት ማእሰርቲ ፍሉይ ዝገብሮ ብረት ምሓዝና ተዘይ ኮይኑ ብዓይኒ ሰብኣዊ መሰል ካብ ቃልቲ ኣይፍለን ክብሉ ዕለታዊ ወግዖም ኮይኑ ከም ዘሎ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣረዲኡ፣

እቶም ኣብ ውሽጢ ሓፁር ዘለው ናይ 4ይ ሻምበል ኣባላት ናይ መሰል ሕቶ ከይሓቱ ዝተገበረን ከይሃድሙን ነንሕድሕዶም ክተሓላለው ዝተገበረ እኳ እንተኾነ ብዝረኸብዎ ኣጋጣሚ ነቲ ሓፁር እናጣሓሱ እግሮም ናብ  ዝመረሖም ይጠፍኡ ከም ዘለው ተፈሊጡ፣

ብተመሳሳሊ ኣብ ሰሜን ኣየር ምድብ ዝርከቡ ኣባላት ካብ ቦትኦም ከይንቃሳቐሱ  ምእንታን ትምህርትን ምትሕንፋፅን ስለ ዘሎ ብዝብል ምስምስ ምስ ኣከቦም እቲ ኣብ መላእ ምክልኻል ሰራዊት ካብ ጫፍ ናብ ጫፍ ዝለዓል ዘሎ ድሕሪ 7ተ ዓመት ካብ ኣገልግሎት ውትህድርና ናይ ምስንባት መሰል ሕቶ ከም ዘይፍቀድ ከም ዝተነገሮም ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣