Tuesday, March 12, 2013

ካድረታት ስርዓት ኣብ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ቀበሌ 03 ኣባይቲ ከፍርሱ ኣብ ዝጅምርሉ ኣብ ሞንጎ መፍረስትን ነባሪ ህዝብን ከቢድ ግጭት ከም ዝተወለዐ ተፈሊጡ፣




ኣብ ቀበሌ 03 ኣብ ዘሎ 20 ብ 20 መንበሪ ኣባይቲ ዘይሕጋዊ ስለ ዝኾነ ክፈርስ ኣለዎ ብዝብል። ሓላፊ ቤት መዛገጃ ከተማ ሽረ-እንዳስላሰ ተኽላይ ዝተባሃለ ካድረ ምስ ኣርባዕተ ፖሊሳት፤ ኣርባዕተ ማሃንዲሳት፤ 16 ዘፍርሱ ሰራሕተኛታትን ናይ’ታ ጣብያ ኣማሓደርትን ተሓባቢሮም ምፍራስ ኣብ ዝጀመርሉ እዋን። ነበርትን ሰብ ዋናን ኣባይትን ብሓደ ወፂኦም ‘ሆ’ ኢሎም ብምቅዋሞም ብዝተወለዐ ግጭት። ገለ ኣማሓደርትን ዕሱባትን በቲ ኣጋጣሚ ሰንቢዶም ሃዲሞም እንተምልጡ፤ ክሃድሙ ዘይከኣሉ ድማ በቲ ህዝቢ ብዝወረዶም መጥቃዕቲ ኣብ ሆስፒታል ምድረ ገነት ኣትዮም ይሕከሙ ከም ዘለው ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣

  ነዚ ሲዒቡ ነቶም ዋና ዋና ንህዝቢ ኣለዓዕሎም ንዝበልዎም 15 ሰባት እኳ እንተኣሰሩ። ህዝቢ ብዝገብሮ ዘሎ ተቓውሞ ግና ክሳብ ሕዚ ሸሞንተ እሱራት ዝተፈትሑ እንትኾኑ። እቲ ተቓውሞ ነባሪ ህዝቢ 03 ናብ ካልኦት ቀበሌታት ማለት 01 ን 04ን ብምልሓኹ። በቲ ሃንደበታዊ ተቓውሞ ዝራዓደ ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ። ኣብ’ታ ከተማ ብርክት ዝበሉ ፌዴራል ፖሊስ ብምውፋሩ። ኣብተን ዘስግኣ ቀበሌታት ተወዲቦም ክዘሩ ጀሚሮም ከም ዘለው ካብ’ታ ከተማ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣፍሊጡ፣