በቲ ልዕል ኢሉ ዝተጠቐሰ ዕለት ኣብ ክልል
ኣምሓራ ከተማ ባህርዳር ኣብ ዝርከብ ፋብሪካ ዕጣንን እንዳዲዕን መቃመሚ ብዘጋጠመ ምኽንያቱ ዘይተፈለጠ ሃንደበዊ ሓደጋ ነታጒ፣
ብርክት ዝበለ ነቲ ፋብሪካ ዝዉዕል ጥረ ኣቁሑን ፍርያት ናይቲ ፋብሪካ ዓቂቡ ዝነበረ ገዚፍ መኻዚኖ ሙሉእ ብሙሉእ ዝተቓፀለ
እንትኾን፤ ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት እቲ ፋብሪካን ነባሪ ህዝብ እቲ ከባብን ዓብዪ ራዕዲን ምስንባድን ፈጢሩ ከም ዝርከብ ካብቲ
ቦታ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ 4 ግንቦት ምንም ዘይበደሉ
14 ሰላማዉያን ሰባት ኣብ ስራሕ ቦትኦም ቀቲሉ፤ ህይወቱ ባዕሉ ኣብ ሩባ ኣባይ ኣትዩ ዘጥፈአ ኣባል ፌዴራል ፖሊስ፤ ኢድ
ኣለኩም ዝተበሃሉ 22 ኣባላት ብ15 ግንቦት 2005 ዓ.ም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ፖሊስ ዉዒሎም ከም ዘለዉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣብ ምዕራብ ጉጃም ከተማ ፍኖተ ሰላም ተዋፊሮም ዘለዉ ብርክት ዝበሉ ፌዴራል
ፖሊስ ኣብ ልዕሊ ነባሪ ህዝቢ እታ ከተማ ብዘብፅሕዎ ቁፅፅርን ፀቕጥን፤ ነባራይ ሕብረትሰብ መነባብርኡ ኣብ ምምራሕ ተፀጊሙ ከም
ዘሎ ተፈሊጡ።