Friday, May 24, 2013

ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ ብኣሕፅሮተ ቃል ኣይ.ኤም.ኤፍ ዕቤት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ናብ 5.5 ከም ዝወርድ ኣተንቢሁ።



ኣይ.ኤም.ኤፍ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ሰሙን ኣጠቓላሊ ኩነታት ኢኮኖሚ ሃገርና ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ ሪፖርት፣ ከም ኣቆፃፅራ ፈረንጂ ኣብ ዝመፅእ 2014 ዓ/ም፣ ዕቤት ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ናብ 5.5 ከም ዝወርድ ኣፍሊጡ።
   እቲ ትካል ገንዘብ ብትንበያ ዕቤት ኢኮኖሚ ሃገርና ኮነ ኣፈፃፅማ ምስ መንግስቲ ዝፈላለ እንትኾን፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ በዓል ክልተ ኣሃዝ ዕቤት በዓል ሓደ ኣሃዝ ዕቤት ምዃኑ ክገልፅ ዝፀንሐ ኣንትኾን፤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመተ ፈረንጂ 2011ን 2012ዓ/ም  ድማ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ በዓል ክልተ ኣሃዝ ዕቤት ዘመዝግብ ምዃኑ ኣብ ዝገለፀሉ እዋን፣ እቲ ትካል ገንዘብ ብወገኑ እቲ ዕቤት ሸውዓተ ካብ ሚኢቲ ከም ዝኸውን ኣብ ትንበይኡ ዘቐመጠሉ ኩነታት ምንባሩ ይፍለጥ።

   ሚኒስተር ገንዘብን ኢኮኖሚያዊ ልምዓትን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ኣብ ዘውፀኦ ሓበሬታ፣ ቀመር ዕቤት ኢኮኖሚ ንምስራሕ ቅድም ክብል ክጥቀመሉ ዝፀንሐ ብሄራዊ ናይ ምፅብፃብ ሜላ (ኣካውንቲንግ) ብዝተማሓየሸ ናይ ሒሳብ ስርሒት ክቕየር ምግባሩ ብምግላፅ፣ ብሄራዊ መጠን ዕቤት ኢኮኖሚ ናብ 8.5 ካብ ሚኢቲ ዘውረደሉ ኩነታት ኔሩ።

 ኣብ’ዚ ወቕቲ ዓለም ለኸ ትካል ገንዘብ 6.5 ካብ ሚኢቲ ዕቤት ቀመር ኢትዮጵያ ዝብሎ፣  ምስ መንግስቲ እንተተቐራረበ’ውን፣ ትካል ገንዘብ ኣብ’ቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዘውፀኦ ትንበያ ዕቤት ኢኮኖሚ ግና ናይ ቀፃሊ ዓመት ዕቤት ናብ 5.5 ካብ ሚኢቲ ኣውሪድዎ ይርከብ።

     ገዛኢ ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ ንተኸታታሊ ዓመታት በዓል ክልተ ኣሃዝ ዕቤት ኢኮኖሚ ከም ዘመዝገበ ክገልፅ ዝፀንሐ ኮይኑ። ምስ’ዚ ብዝተታሓሓዘ’ውን ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ነዳዲ ሰደድ ካብ መንጎ ዘይገብራ ሃገራት ዝላዓለ ዕቤት እናመዝገበ እዩ እናተበሃለ ክግለፅ ምፅንሑ ይዝከር።