Friday, May 24, 2013

ሓደሽቲ ሰልጢኖም ዝወፁ ኣባላት ፌዴራል ፖሊስ ወያነ-ኢህወዴግ፣ ንዝኸድዑን ንዝጠፍኡን መተካእታ ተባሂሎም ናብ ኣሃዱ ህዳሴ ዲቪዥንን ካልኦት ቦታታትን ይውዝዑ ከም ዘለዉ ተገሊፁ።



    ኣብ 2005 ዓ/ም ሓደሽቲ ሰልጢኖም ካብ ዝወፁ ኣባላት ፌዴራል ፖሊስ፣ እቶም 85 ኣባላት ክሳብ ሻለቓ ዝርከብዎም መተካእታ ዝጠፍኡን ዝኸድዑን ናብ ኣሃዱ ህዳሰ ዲቪዥን ከም ዝተወዝዑ እቲ ሓበሬታ ይገልፅ።

 ኣብ ሓንቲ ሓይሊ 35 ሓይሊ ሰብ ከም ዘለውዎምን ኣብ ህዳሴ ግድብ ኣባይ ዝፀነሐት ጋንታ 4 ድማ ናብ ኣዲስ ኣበባ ብዝውውር ከም ዝተልኣኸት ዝጠቐሰ እቲ ሓበሬታ፣ እቶም ሓደሽቲ ተመረቕቲ ኣባላት ፌዴራል ፖሊስ ብኩማንደር ኪሮስ ድሕሪ ዝተኻየደሎም ሰነ ስርዓት ኣቀባብላ ቀፂሉ ኣብ ከተማ ባህርዳር ብኣባል ፌደራል ፖሊስ ዝተፈፀመ ጨፍጫፍ ህዝቢ፣ ካብ ሕዚ ንዳሓር ክድገም ከም ዘይብሉ መተሓሳስቢ ቃል ከም ዘስመዐ ተፈሊጡ።