Wednesday, May 22, 2013

ኣብ ቤይሩት ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ብዜግነቶም ዝጣበቐሎም ኣካል ስለ ዘየለ ብኣሳራሕቶም ተደጋጋሚ ግፍዕታት ይወርዶም ከም ዘሎ ተገሊፁ።



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ኣብ ሰሜን በይሩት ማስቲታ ጀበል ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ተቖፂራ እትሰርሕ ዝነበረት ድንቅነሽ ዝተብሃለት ኢትዮጵያዊት መንእሰይ፣ ሳሚያ ብዝተብሃለት ኣስራሒታ ብነሃስ ብዝተሰርሐ ሓፂን ርእሳ ምስሃረመታ ቀፂላ ዝፈልሐ ማይ ናብ ኣካላታ ብምኽዓው ከቢድ በደል ከም ዘወረደትላ ደይሊ ስታር ዝተብሃለት መርበብ ሓበሬታ ኣቃሊዓ።
  መንእሰይ ድንቅነሽ በቲ ዝወረዳ መጉዳእቲ ኣብ ሆስፒታል ኣትያ ኣብ ምሕካም  ከም ትርከብ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፣ ከም ዕድል ኮይኑ ኩነታታ ብሚድያታት ክቃላሕ እኳ እንተኻኣለ፣ ካልኦት ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ኣሕዋትና ግን ንድሕንነተን ዝከታተል፤ ዝግደስን ዓገብ ዝብልን ኤምባሲ   ብዘይምህላዉን፣ ብዓብይኡ ድማ እቲ ስርዓት ንዜጋታቱ ስለዘይጣበቕን፣ ብዝወርደን ዘሎ ዘስካሕኽሕ ግፍዕታታ ኣካለን ዝጎድላ፤ ንናይ ኣእምሮ ፀገምን ሞትን ዝሳጥሓ ቁፅረን  ኣዝዩ ብዙሕ ከም ዝኾነ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ።   
  ብተመሳሳሊ ኣብ ሃገረ እንግሊዝ ዝሕተም ዘ-ጋርዲያን እናተብሃለ ዝፅዋዕ ጋዜጣ ከም ዝሓበሮ፣ ኣብ ሊባኖስ ጥራሕ ካብ 60 ክሳብ 80 ሽሕ ዝግመቱ ኢትዮጵያውያን ኣብ ናይ ገዛን ካልእ ትሑት ዝኾነ ስራሕን ተቖፂሮም ዝሰርሑ ከም ዘለዉ፣ ካብዚኦም እቶም 43 ሽሕ ጥራይ ሕጋዊ ከም ዝኾኑ እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ ይገልፅ።