ሪፖርተር ጋዜጣ ከም ዝገለፆ፣ ነቲ ምልመላ እናካየዱ ዘለው ዘመነ ስልጣኖም ኣብ ቀረባ ዘብቅዕ ናይ’ቲ ከተማ ከንቲባ ዝኾኑ ኩማ ደመቅሳን ምኽትሎም አቶ አባተ ስጦታውን ኮይኖም፣ ናይ አዲስ አበባ ናይ ኢህወዴግ ቢሮ ሓላፊ ዝኾኑ አቶ ተወልደ ገብረፃድቃንን ምክትሎም አቶ ጀማል ረዲን‘ውን ከም ዝርከብዎም እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ኣብቲ
ዝወፀ ፀብፃብ፣ ሚኒስተር ትራንስፖርት ኣይተ ድሪባ ኩማ፤ ናይ ከተማ ሚኒስተር ልምዓትን ኮንስትራክሽንን መኩሪያ ሃይለ፤ ሚኒስተር ምክልኻል ኣይተ ሲራጅ ፈርጌሳ፤ ናይ ፌዴራል ፖሊስ ጄነራል ኮሚሽነር ወርቅነህ ገበየሁን ወ/ሮ አዜብ መስፍንን ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ናይ ኢህወዴግ ተመረፅቲ ናብ’ታ ከተማ ክመፁ እዮም ተባሂሎም ዝሕሰቡ ከም ዝኾኑ ሪፖርተር ጋዜጣ ሓቢሩ።
ወ/ሮ አዜብ ኣብ’ዚ ቀረባ ማዓልትታት ቀዳምን ሰንበት ፒያሳ ዝርከብ ቤት ማዘጋጃን ምምሕዳር እታ ከተማ ዘስረሖ ናይ ጉለሌ ዕፅዋት ማዕኸልን ከም ዝበፀሐት ሪፖርተር ምንጭታቱ ምርኩስ
ብምግባር ኣብሪሁ።
ክሳብ ሕዚ ብዘሎ ከይዲ ናይ’ታ ከተማ ቀፃሊ ከንቲባ መን እዩ ንዝብል ሕቶ መልሲ እንተዘይረኸበ’ውን፣ ውሽጣዊ ምንጭታት እቲ ስርዓት ከም ዝገልፅዎ ግን፣ አቶ ድሪባ ክኾኑ ከም ዝኽእሉ
ግምቶም ይህቡ ከም ዘሎ ንዝተፈላለዩ ምንጭታታት መሰረት ብምግባር እቲ ዝወፀ ፀብፃብ ወሲኹ ኣረዲኡ።
ኢህወዴግ ኣብቲ ዘተኻየዶ ምስሉ መረፃ መንበር ቤት ምኽሪ አዲስ አበባ ብዘይ ምንም ተወዳዳሪ ምሉእ ብሙሉእ ስዒረ ከም ዝበለ ይፍለጥ።