እቶም ኣብ ከባቢ ኡራኤል፤ ቄርቆስ ክፍለ ከተማ
ብናይ ሎሚ ድማ ወረዳ 8 እናተብሃለ ዝፅዋዕ ከባቢ ዝርከቡ ነጋዶ። ሰሪሖም ዝነብሩሉ ትካሎም ብዘይ ዝኾነ መተካእታ ለቒቖም
ክወፁ ቅድሚ ኣርባዕተ ወርሒ ዝተውሃቦም ናይ መጠንቀቕታ ደብዳበ ኣይተቐበልኩምን ብዝብል ምዃኑ ተገሊፁ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዝገለፆ፣ ካብ ኣባይቶም ክለቁ ዝተዋሃበ መመርሒ
ብትእዛዝ ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኩማ ደመቅሳ ኮይኑ፤ ንሱ ድማ ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልቲ ትካሎም ገዲፎም ክወፁ ዘገድድ ምንባሩ ድሕሪ ምግላፅ፤
ምላሽ ናይዞም ነጋዶ ድማ ሕግን ስርዓትን ዘይተኸተለ መመርሒ ስለ ዝኾነን ንኣባይትና ጉቡእ ካሕሳ ከይተውሃበናን ኣይንወፃን
ብምባሎም ጥራሕ፣ ትካሎም ክዕሸግ ከም ዝተገብረን ከም ውፅኢቱ ምስ ስድራኦም ኣብ ከቢድ ናይ መነባብሮ ፀገም ምውዳቖም ተፈሊጡ።