Thursday, May 9, 2013

ኣብ ሊቢያ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ናብ ዘይፍለጡ ቦታታት እናተወሰዱ ይጠፍኡ ከም ዘለዉ ተገሊፁ።



ኣብ ዝተፈላለዩ ቤት ማእሰርቲ ሊቢያ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ከም ዝገለፅዎ፣ ካብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝተውፃእፅኡ ብርክት ዝበሉ ኢትዮጵያውያን ናብ ዘይተፈለጡ ቦታታት ተወሲዶም ኣበይ ከምዝወደቁ ኣይፍለጥን ክብሉ ምዝራቦም ተፈሊጡ።
  ዜጋታት ኢትዮጵያ ካብ ናይ ካልኦት ሃገር ዜጋታት ብዝናኣሰ ኩነታት ከም ዝተኣናገዱ ዝገልፁ እቶም እሱራት፣ ብፍላይ ከዓ ደቂ ኣንስትዮ ፆታዊ መድፈርቲ እንትፍፀመን፤ ደቂ ተባዕትዮ ድማ ገንዘብ እንተዘይ ኣምፂኦም ከም ዝቕጥቀጡ ኣብሪሆም።
    ‘’ኩሚስ’’ ኣብ ዝባሃል ቤት ማእሰርቲ ሊቢያ ውሽጢ ንዝሓለፉ 9 ኣዋርሕ ተኣሲሩ ኣብ ምስቓይ ዝርከብ ሽረ እንደ ስላሴ ተወሊዱ ዝዓበየ መምህር ሙሴ ዘሚካኤል ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ኣብ እሓሓደ ማዓልቲ ጥራሕ 17 ኢትዮጵያውያን እናበኸዩ ናብ ዘይተፈለጠ ስፍራ ከም ዝተወሰዱ ኣረዲኡ።
   መንግስቲ ኢትዮጵያ እዚ ኩሉ ዘሕዝን ተግባር ዝፍፀም ዘሎ ምዃኑ እናፈለጠ ዝኾነ ይኹን ተበግሶ ከም ዘይገበረሎም ዝገለፀ ሙሴ ዘሚካኤል። ኣብ ሊቢያ ጥራይ ካብ ሸውዓት ሽሕ ዘይውሕዱ ኢትዮጵያውያን ኣብ ቤት ማእሰርቲ እናተሳቐዩ ዝርከቡ እንትኾኑ፣ ኣብ ሊቢያ ኢትዮጵያዊ ኮይንካ ምርካብ ሞትካ ምዕዳም ምዃኑ መምህር ሙሴ ንትዕዝብቱ መሰረት ብምግባር ብምረት ኣረዲኡ።