ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ንናይ ሕልና እሱራት ዝኾኑ ዜጋታትና ብምኽንያት
ኣውዳ ኣመት በዓለ ፋሲካ ቤተሰቦም ንኽርኡ ዝኸዱ ወገናት ብዕጡቓት ወያነ-ኢህወኢግ ከም ዝተባረሩ ድሕሪ
ምግላፅ። ብፍላይ ኣባላት ላዕለዎት ኣመራርሓ ሓድነት ንዝተኣሰሩ ብፆቶም ናይ እንኳዕ ኣብፀሓኩም መልእክቲ ንምምሕላላፍ ከም
ዝተኸልከሉ ተፈሊጡ።
ኣብ
መወዳእታ ፍኖተ ነፃነት ብዛዕባ እዞም ናይ ሕልና እሱራት ኣመልኪቱ ኣብ ዝወፃኦ ዝርዝራዊ ፅሑፍ፣
ህዝቢ ሕገ መንግስታዊ መሰሉ ተጠቒሙ እሱራት ቤተሰቡ ክሓትት ግቡእ‘ኳ እንተነበረ፤ ኣምባገነናት መራሕቲ ኢህወዴግ ግን ባህሪኦም ስለ ዘየፍቅደሎም፣ ነቲ
ባዕሎም ዘውፅእዎ ሕጊ ባዕሎም የፍርስዎ ምህላዎም፣ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣንፃር ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ኣበርቲዑ ክቃለስ ከም ዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።