Friday, May 10, 2013

ኣብ ክልል ሶማል ዝርከቡ ወተሃደራት ዓመት በዓላት ምስ ቤተሰቦም ንምብዓል ዕረፍቲ ክወሃቦም ዘቕረብዎ ሕቶ ተቐባልነት ብዘይምርካቡ ኣብ ቁጠዐን ስሚዒትን ከምዝርከቡ ተሓቢሩ።



ኣብ ክልል ሶማል ከባቢ ጅጅጋ ተዋፊሮም ዝርከቡ ኣባላት ምክልኻል ሰራዊት ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ፣ ዝተፈላለዩ ዓመት በዓላትን ዓመታዊ ዕረፍትን፤ ከምኡ’ውን ብምኽንያት ፀገም ናብ ቤተሰቦም ክኸዱ ሕቶታት ዘቕርቡ እኳ እንተኾኑ፤ በቶም ኣዘዝቲ “ክትከዱ ኣይትኽእሉን፤ ብመሰረቱ ኣይፍቀድን።” ዝብል ፀማም መልሲ ይዋሃቦም ከም ዘሎ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
   እቶም ምክልኻል ሃገር ተባሂሎም ኣብቲ ከባቢ ዝተቐመጡ ሰራዊት ብሕገ ደንቢ መሰረት ዓመታዊ ዕርፍቲ ክዋሃቦም ዝግባእ ምኽልካሎም፤ ፀገም እንተጋጥሞም ግዝያዊ ፍቓድ ዕረፍትን ጠቕሊሎም ቤተሰቦም ከይጥይቑ ብምኽልካሎምን፤ መብዛሕትኡ ኣባል ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣንፀርፂሩ ዓዱ ገዲፉ ኣደዳ ስደትን ምኹብላልን ክኸውን ሓላፍነት ዘይስምዖም ጀኔራላት ወያነ ኢህወዴግ ይፈርድዎ ከም ዘለው ተሓቢሩ።

   ካብዚ ዝነቐለ እዉን ኣባላት ሰራዊት ነንባዕሎም ይኹን ምስ ኣዘዝቶም ስምምዕ ይኹን ምትሕልላይ ስለ ዘይብሎም ዝተዋሃቦም ወተሃደራዊ ግዳጅ ክዋፅኡ ዘይኽእሉን፤ ዉልቃዊ ሕቶታቶም ንኽምለሰሎም ኣብ ዝተዳለወ መድረኽ ኣኼባታት ተጠቕሞም ብምቕራብ ንላዕለዎት ሓለፍቶም ክሳብ ኣንፀርፂሮም ዘምፅኦም መደብ ስራሕ ከይፈፀሙ ክምለሱ ይገብርዎም ከም ዘለዉ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ይገልፅ።