Friday, May 10, 2013

ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ ዝርከቡ ፌዴራል ፖሊስ ስርዓት ኢህወዴግ ናይ መነባብሮ ሕቶታት እናልዓሉ ከም ዝርከቡ ተገሊፁ።



እቶም ግድብ ህዳሴ ንምሕላው ተባሂሎም ዝተዋፈሩ ዲቪዥን ብዝብል ስያሜ ዝፅውዑ ኣባላት ሰራዊት ፌዴራል ፖሊስ፣ ብዕለት 27 ሚያዝያ 2005 ዓ/ም በቲ ናይ ክልተ ክላስተራት ዲቪዥን ኣተሓባባሪ ዝኾነ ኩማንደር ሰሎሞን ኣብርሃ ይምራሕ ኣብ ዝነበረ መድረኽ ኣኼባ፣ በቶም ኣባላት ብርክት ዝበሉ ሕቶታት ከም ዝተለዓሉ ተፈሊጡ።
 እቶም ሰራዊት ካብ ዘልዕልዎም ሕቶታት፣- ወሰኽ ደመወዝ፤ ናይ በረኻ ኣበል፤ ፀገም ክዳውንቲን መፀፍን፤ ሕፅረትን ፅሬቱ ዝሓለወ ምግቢ፤ መልቀቒ ፍቓድ ስራሕን ካልኦትን ዘቕረብዎም ፍታሕ ዘድልዮም ሕቶታት፣ በቲ ዝምልከቶ ኣካል ዘዐግብ መልሲ ስለ ዘይተዋሃቦም፣ “እዙይ እንድሕር ኮይኑ መልሲኹም ካብ ሕዚ ንዳሕር እንተዘይ መፃኹም ይሓይሽ።” ክብሉ ነቲ ኣብ ቀፃሊ ከም ፍታሕ ኢሎም ዝወስድዎ ባዕላዊ ስጉምቲ ከም ዝሓበርዎም ተገሊፁ።       
 ካብ መንጎ እቲ ኣብ መፃኢ ባዕሎም ክወስድዎ ዝሓስቡ ስጉምትታት እንትገልፁ፣ ባዕሉ ነቲ ስራሕ ራሕሪሑ ዝጠፍእ ኣባል ክውስኽ ምዃኑን። ብግልፂ‘ውን መሪሩና ኣሎ ክንጠፍእ ኢና ብምባል ምረትን ንደትን ዝተመልኦ ዘረባ  ንዝቐረበ ብመብዛሕትኦም ተኣከብቲ ስለ ዝተደገፈ፣ ነቲ ኣኼባ ዝመርሕ ዝነበረ ኮማንደር ሰለሙን ተቖጢዑ ነቲ ኣኼባ ብዘይ ምንም ፍረ ከም ዝተበተኖ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።