ሰበ
ስልጣን ስርዓት ወያነ ምስ ግብፂ ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ዕድመ ስልጣኖም ንምዉሓስ ክብሉ ኣብ ዓብዪ ወጥሪ ተሸሚሞም ዝርከብ እንትኾን፤ ነቲ ኣብ ዉሽጦም ተፈጢሩ ዘሎ ምስሕሓብ ህዝባዊ
ስምዒት ኣለዓዒሉ ከም ዘሎ ኣምሲሎም ብሚድያታት ንምቅላሕ፣ ኣብ ባህርዳርን ከባብኣን ዝርከቡ ተማሃሮ ትምህርቶም ጠጠዉ ኣቢሎም
ኣብ ጎደናታት ሰልፊ ወፂኦም ዘቃልሕዎ ጭርሖታት ከም ዘዓደልዎም ተፈሊጡ።
ካብቶም ዝተዓድልዎም ጭርሖታት፣ ብረብሓና ዝመፀና ኮፍ ኢልና
ኣይንፅበን፤ ቅድሚ ኩሉ ንልእላዉነትናን ዝደፍር ብመንግስቲ ግብፂ ዝተለዓለ ኣይንቅብሎንን ዝብሉ ሓሳባት ዘጠቓለለ ኮይኑ፣ ነቶም
ጭርሖታት ኣብቲ ሰልፊ መዓልቲ ሒዘሞ ክወፁ ከም ዝተገብረን፤ ነቲ ጭርሖታት ብድምፂ ዘቃልሑ ተማሃሮ ተመሪፆም ዝተቐመጡ እኳ
እንተነበሩ፣ ብግዴታ ዝተኻየደ ብምዃኑ ብስቕታ ዝተዋሕጠን ናይ ሰልፊ መልክዕ ብዘይምንባሩ ሽትኡ ከይወቐዐ ዝተረፈ ዝገለፀ እቲ
ሓበሬታ።
ድሕሪ እቲ ሰልፊ ብካብኔ ናይቲ ክልል ዝምራሕ ገምጋም ኣብ ዉሽጢ
ኣብያተ ትምህርቲ ክካየድ ዝተገብረ እንትኾን፤ በቶም ኣከብቲ ንምንታይ ኣብ ጉዳይ ሃገር ብትግሃት ዘይትዋስኡ ኢሎም ስለ
ዝጓጠጥሎም እቶም ተማሃሮ ከዓ ብውግኖም ንሕና ኣብ ዘይኣመናሉ
ኣይንስለፍን ብምባል ነቲ ዝቐረበ ሓሳብ ቃል ብቓሉ ብምንፃግ፣ ነቶም ኣከብቲ ካብኔ ኣብ ዝተቐመጥዎ ራሕሪሖሞ ንገዝኦም ከም ዝኸዱ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።