ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ ካብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ጭላን ካልኦት ከባቢታትን ናብ ዓዲ ጎሹ ወሪዶም ብወፈር
ዘመት ሓሪሶም መነባብሮኦም ክመርሑ ዝፀንሑ ዜጋታት ብድልድል ተከዘ
ከይሳገሩ ብመንግስቲ ስለ ዝተኸልከሉ ብዉሕጅ ክሳገሩ ንሓደጋ ይቃልዑ ከም ዘለዉ ተገሊፁ።
እቲ
ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዝገለፆ እቶም ብደልድል ከይመሓላለፉ ዝተኸልከሉ ሓረስቶት ስራሕቶም ከሳልጡ ክብሉ በቲ ሩባ ክሰግሩ ክብሉ ብውሕጅ ዝተወሰዱ ወገናት ኣይተ ካሕሳይ ገብርሂወትን ኣስማረ በሪሁን ዝተብሃሉ ምዃኖም ንምፍላጥ
ተኻኢሉ።
ሰበ ስልጣን ስርዓት ወያነ-ኢህወዴግ
ድኽነት ክነጥፍእ ንቃለስ ኣለና ዝብልዎ ንመሽቀጥን ንፖለቲካ ሃልክን እንተዘይኮይኑ፤ ሓረስታይ ሰርሑ ክሓልፈሉ ዘይግደሱ ምዃኖም፤
እኳ ድኣ እቲ ሕዚ ብተግባር ዝረአ ዘሎ ቢንቶ ዓፂኻ ዜጋታት ንሓደጋ ምቅላዕ ንሕሱር ኣካይድኦም ዘግሓደ ከም ዝኾነ ገለ ወገናት
ይገልፁ።