Thursday, June 20, 2013

ኣብ ከባቢ ገምሃሎ ዝርከቡ ወተሃደራት ወያነ ጥሪት ሓረስቶት እናዘምቱ ሓሪዶም ይምገቡ ከም ዘለዉ ካብቲ ከባቢ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



እቶም ኣብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ዝርከቡ ናይ መበል 8 መካናይዝድ ክፍለ ሰራዊት ስርዓት ወያነ-ኢህወደግ፣ ካብ ገምሃሎን ከባቢኡን ናይ ዝርከቡ ሓረስቶት ከብቲ ብሓይሊ እናሕደጉ እናሓረዱ ይምገቡ ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፤ ካብቶም ብዙሓት ውሑዳት ጥሪቶም ዝተዘመቱ ዜጋታት ድማ ኣይተ በየነ ነባራይ ጣቢያ ሽምቢልና ከምኡ’ውን ቀሺ ዕቑባይ ነባራይ ጣቢያ ዝባን-ገደና እንትኾኑ፤ ሕብረትሰብ ነቲ ዝበፅሖም ዘሎ ግፍዕታት ፍታሕ ክረኽቡ ናብ ኣዛዚ እቲ ሰራዊት ኮለኔል ካሳ ከይዶም ጥርዓኖም እንተቕረቡ እኳ ፍታሕ ኣብ ክንዲ ምሃብ ተቐቢሉ ብኣባላቱ ኣሲሩ ከም ዘባብረሮም እቲ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ።

 በቲ ዘይሓላፍነታዊ ኣስራርሓ ሰራዊት ወያነ ዝተበሳጨዉ ነበርቲ  ገምሃሎን ከባቢኡን ኣብ ትሕቲ ሕጊ ካብ ዘየኽበር  ስርዓት ዝርከቡ ሰራዊት ኣብ ገበን ዝተዋፈሩ እዮም ክብሉ ድሕሪ ምግላፅ፤ እዚ እክይ ተግብራት ድማ ኣብ ስልጣን ንዘሎ ስርዓት ወድቀቱ ዘቀላጥፍ ኣካይዳ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም።