Friday, June 14, 2013

ኣብ ወረዳ ናዕዴር ዓዴት ዝነብር ህዝብና ብዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ፀገማት ኣብ ዝኸፈአ መነባብሮ ወዲቑ ከም ዝርከብ ተሓቢሩ።



ምምሕዳር ክልል ትግራይ ኣብ ዝኾነ ከባቢ ዝነብር ህዝቢ ማሕበራዊ ፀገማቱ ተፈቲሑ እዩ ዘይተፈትሕ እንተሃልዩ ድማ ብግልፂ የቕርቡልና ክነእንግዶ ድልዋት ኢና እናበሉ ኣብ ሚድያታቶም የቃልሕሉ ኣብ ዘለዉ እዋን ዝለዓል ዘሎ እዚ ናይ ህዝቢ ናዕዴር ዓዴት ሕቶ፣ ኣብቲ ወረዳ ኣብ ዝርከባ ገጠራት ዝነብር ህዝቢ ብሕፅረት ፅሩይ ዝስተ ማይ፤ ስእነት መጓዓዓዝያ፤ ኣብ ከባብኦም ዓቕሚ ዘለዎም ሰብ ሞያ ዝርከብዎ ጥዕና ጣብያ ብዘይምህላዉ ኣብ ሕርስን ጥንሲን ዝሞታ ኣዴታት ቁፅረን እናዛየደ ምኻዱ ከምኡ‘ዉን ናብ ዕሸል ከተማታት መስመር ኤሌክትሪክ ዘይምእታዉን፣ ነበርቲ እታ ወረዳ ተኻፈልቲ መሰረተ ልምዓት ክኾኑ ከም ዘይከኣሉን ኣብ ፀገም ወድቖም ከም ዝርከቡን ኣብ ምግላፅ ይርከቡ።

    ኣብ ዞባ ማእከል ትግራይ ወረዳ ናዕዴር ዓዴት ዝነብር ኣብዝሓ ብሕርሻ ዝመሓደር ሕብረተሰብ ዘልዕሎ ዘሎ ዓመታት ዘቑፂፀረ ፍታሕ ብዝሰኣነ ማሕበራዊ ፀገማት ኣብ ዝባኑ እናተበራረየ ክሳቐ ዝፀነሐ ኮይኑ፣ ኣብዚ ግዜ ከዓ እቶም ፀገማት ተጋዲዶም ክፃወሮም ብዘይምኽኣሉ ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ክልል፤ ዞባን ወረዳን ቆላሕታ ንምንታይ ከም ዘየገበርሎም ጥርጣረ ከም ዘለዎም ኣብ ዝረኸብዎ ኣጋጣሚታትን ብወከልቶም ኣቢሎም ስምዒቶም ብምልኣኽ ኣብ ምግላፅ ዝርከቡ እኳ እንተኾኑ፣ ኣመሓደርቲ ካድረታቶም ኣዋፊሮም ኣብ ስቪላዊ ስራሕቲ ተዋፍሮም ንዘለዉ ነባራት ተጋደልቲ ንስኹም ኢኹም መለዓዓልቲ እናበሉ የፈራርሕዎም የገላትዕዎምን ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።