Friday, January 31, 2014

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ዝነብር ህዝቢ እቲ ስርዓት ዘተኣታተዎ ‘መድሕን ጥዕና ቅድመ ክፍሊት’ ዝብል ኣይንኣምነሉን ከም ዝበለ ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም፣




ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ካብ ዝርከባ 13 ገጠር ወረዳታትን 2 ምምሕዳር ከተማታትን ዘጠቓለለ ኣብ ጥዕና ዘሎ ኣፈፃፅማ ስራሕን ገምጋምን ኣብ ዉሽጢ ሽድሽተ ወርሒ እንታይ ከም ዝመስል ኣብ ከተማ ቡሬ ካብ 13-16 ጥሪ 2006 ዓ.ም ብዋና ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ኣይተ ዘለቀ ዝተመረሐ ኣኼባ ዝተኻየደ እንትኾን፤ ተኣከብቲ ብዙሕ ነገራት ዘልዓሉ ኮይኖም ብፍላይ ከዓ ነቲ ህዝቢ ከይኣመነሉን ከይተመያየጠሉን ተግባራዊ ዝገበርዎ ‘መድሕን ጥዕና ቅድመ ክፍሊት’ ዝብል ኣሰራርሓ ግጉይ ኣሰራርሓ እዩ ክብሉ ከም ዝነፀግዎ ተፈሊጡ፣

ወሲኹ እቲ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ መላእ ሕብረተሰብ እታ ዞባ ብፍላይ ከዓ እቲ ዝለዓለ ሽፋን ዘለዎ ሓረስታይ እቲ ንመለስ ፋዉንስዴሽን ግድብን እናተባህለ ነዉፅኦ ዘለና ከይኣክል ሕዚ ድማ መዓልኡ ዘይፍለጥ ብሽም መድሕን ክፈሉ ዝበሃል ዘሎ “ከይሓመምና ኣይንኸፍልን” ዝብል ተሪር መርገፂኡ ሕዙ ስለ ዝርከብ፤ ብዝበዝሕ ህዝቢ ዝተነፀገ ሓሳብ ብምርድዳእ ክፍታሕ እንተዘይ ኪኢሉ ኣብ ምሕደራ ዓብዪ ፀገም ፈጢሩ ኣሎ ክብሉ ተኣከብቲ ንዘልዓልዎ መዘራረቢ ርእሲ መራሒ እቲ መድረኽ መዕለቢ እንተይገበረሉ ብምሕላፉ ኣብ መንጎ ምምሕዳርን ህዝብን ዝኸፈአ ምፍጣጥ ተወሊዑ ከም ዘሎ ገሊፁ፣