ብመሰረት
እቲ ሓበሬታ ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ካብ ዝርከባ 13ተ ገጠር ወረዳታትን 2ተ ምምሕዳር
ከተማታትን ዘጠቓለለ ኣብ ጥዕና ዘሎ ኣፈፃፅማ ስራሕን ገምጋምን ኣብ ዉሽጢ ሽድሽተ ወርሒ እንታይ ከም ዝመስል ኣብ ከተማ ቡሬ
ካብ 13-16 ጥሪ 2006 ዓ.ም ብዋና ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ኣይተ ዘለቀ ዝተመረሐ ኣኼባ ዝተኻየደ እንትኾን፤ ተኣከብቲ ብዙሕ
ነገራት ዘልዓሉ ኮይኖም ብፍላይ ከዓ ነቲ ህዝቢ ከይኣመነሉን ከይተመያየጠሉን ተግባራዊ ዝገበርዎ ‘መድሕን ጥዕና ቅድመ ክፍሊት’
ዝብል ኣሰራርሓ ግጉይ ኣሰራርሓ እዩ ክብሉ ከም ዝነፀግዎ ተፈሊጡ፣
ወሲኹ
እቲ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ መላእ ሕብረተሰብ እታ ዞባ ብፍላይ ከዓ እቲ ዝለዓለ ሽፋን ዘለዎ ሓረስታይ እቲ ንመለስ ፋዉንስዴሽን
ግድብን እናተባህለ ነዉፅኦ ዘለና ከይኣክል ሕዚ ድማ መዓልኡ ዘይፍለጥ ብሽም መድሕን ክፈሉ ዝበሃል ዘሎ “ከይሓመምና
ኣይንኸፍልን” ዝብል ተሪር መርገፂኡ ሕዙ ስለ ዝርከብ፤ ብዝበዝሕ ህዝቢ ዝተነፀገ ሓሳብ ብምርድዳእ ክፍታሕ እንተዘይ ኪኢሉ ኣብ
ምሕደራ ዓብዪ ፀገም ፈጢሩ ኣሎ ክብሉ ተኣከብቲ ንዘልዓልዎ መዘራረቢ ርእሲ መራሒ እቲ መድረኽ መዕለቢ እንተይገበረሉ ብምሕላፉ
ኣብ መንጎ ምምሕዳርን ህዝብን ዝኸፈአ ምፍጣጥ ተወሊዑ ከም ዘሎ ገሊፁ፣