ኣብ
ክልል ኣምሓራ ዞባ ኣዊ ወረዳ ባንጃ ቀበሌታት ወትላ-ክንዲካን፤ ክንዲካንን ቆማዉስን ዝነብሩ ወገናት ብዕድመ ምድፋእ፤ ጥዕና
ብምስኣን፤ ሕርስን ጥንስን ዝኣምሰሉ ፀገማት ከም ዘለዎም እናተፈለጠ፤ ኣብ ከባብኦም ዝርከቡ ኣመሓደርቲ ሓመድን ማይን ዕቀባ
ክሰርሑ ኣይከኣሉን ዓንቀፍትን ፀረ ልምዓትን ዝብል ኣሽማት ኣጠሚቖም
እናኸሰሱ የእስርዎም ብገንዘብ የቕፅዕዎምን ከም ዘለዉ ካብቲ ከባቢ ዝበፀሓና ሓበሬታ ገሊፁ፣
እቶም ግዳያት
ናይዚ ዘይቅኑዕ ኣሰራርሓ ዝኾኑ ሰባት ኣዝዮም ብርክት ዝበሉ ሓረስቶት ብምዃኖም፤ ባዕሎም ምስ ቤተሰቦም ብምዃን ፀገምና ዓዲ
ምሉእ ዝፈልጦ እናሃለወ ንምንታይ ንእሰርን ንቕፃዕን ኣለና ዝብል ሕቶታት ኣልዒሎም ናብ ዝምከቶም ኣካላት ኣቕሪቦም ክሳብ ሕዚ
ንጉዳዮም ቆላሕታ ሂቡ ፍታሕ ዝህብ ከም ዘይተረኽበን ገና ሕዚ’ዉን እቲ ናይ ምቕፃዕን ምእሳር መስርሕ ይቕፅል ብምህላዉ ንሱ
ዝወለዶ ዉሽጣዊ ስምዒት ህዝቢ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዘሎን ሓደ መዓልቲ ክነቱግ ተኽእሎ ከም ዘሎ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ
የረድእ፣