ኣብ ዞባ
ምዕራብ ትግራይ ኣብ ዝርከባ ኣብያተ ፅሕፈት መንግስቲ ዞባን ወረዳታትን ብሓላፍነትን ተራ ሰራተኛን ተባሂሎም ዝምደቡ ሰባት፤ ዘምፅኦም
ስራሕ መደብ ንጎኒ ገዲፎም ነታ ዘላቶም ዉሱን ዓቕምን ፍልጠትን ኣብ ዘይሕጋዊ ተግባራት ብምዉፋር መጠኑ ዝሓለፈ ሃፍቲ ከኻዕብቱ
ምርኣይ ልሙድ ኮይኑ ኣሎ ክብሉ ነበርቲ ገሊፆም፣
ብፍላይ ድማ
ፖለቲካዊ ሽሞት ተዋሂብዎም ብመራሕቲ ህወሓት ተመልሚሎም ናብታ ዞባ ዝምደቡ ዘለዉ ካድረታት ዝተዋሃቦም ስልጣን ተጠቕሞም መጠኑ
ዝሓለፈ ብላዕ ብምቕባልን ሃፍቲ ህዝብን ሃገርን ብምዝማትን ኣብ ዉሽጢ ዉሱን ዓመት ሰብ ፀጋ ሃፍቲ እንትኾኑ፤ እቲ ዉፅዕ ህዝቢ
ግና ብስእነት ሰናይ ምሕደራ ሕሰም ዝተመልኦ ናብራ ክመርሕ ግድን ኮይንዎ ከም ዘሎ ነባሪ ህዝቢ ኣብ ዝረኸቦ ኣጋጣሚ ደጋጊሙ
ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከብ ካብ’ቲ ከባቢ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣረዲኡ፣
ህዝቢ
ሑመራን ከባብኣን ካብ መንግስቲ ክረኽቦ ዝግባእ ኣግልግሎት ሕጋዊ ዝኾነ ኣሰራርሓ ብምስኣኑ ጉዳዩ ንምፍፃም ኣብ ነፍሲ ወከፍ
ቤት ፅሕፈት ካብ ተራ ሰራሐተኛ በብደረጅኡ ክሳብ ላዕለዎት ጉቦ ክኽፍል ምዉዓል ልሙድ ኮይኑ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግና ብከምዚ
ዝበለ ዝምቡዕ መንገዲ ዘላቒ ፍታሕ ከምፅእ ኣይኽእልን ካብ ዝብል ቅኑዕ ሓሳብ ኣብ ዝረኸቦ መድረኻትን ኣጋጣሚታትን መረረቱ
ደጋጋሙ ኣብ ምስማዕ ይርከብ፣
ኣብ
መወዳእታ እቲ ንህዝባዊ መረረት መሰረት ዝገበረ ሓበሬታ ኣብቲ ዞባ ኣግባብነት ብዘይብሉ መንገዲ ሃፍቲ ህዝቢ መንዚዖም ኣብ
ዉስን እዋን ሰብ ትካላትን ሰብ ፀጋ ሃፍትን ካብ ዝኾኑ ኣካላት መንግስቲ ንምጥቃስ፤ መምህር ፍረድንግል ዝተበሃለ ዝርከቦም
እንትኾኑ እዞም ሰባት ኣብ መጀመሪያ ጥራይ ኢዶም መፂኦም ኣብ ሑመራን ከባብኣን ምስ ተመደቡ ግና ኣብ ሓፂር ግዜ ወናኒ ትካላት
ምዃኖም ዉፅኢት ግዕዙይ ኣካይድኦም ከም ዝኾነ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የገንዝብ፣