ብመሰረት’ቲ
ሓበሬታ እቲ ብተኸታታሊ ካብ 17 ጥሪ 2006 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ
20 ጥሪ 2006 ዓ/ም ብክልል ትግራይ ደረጃ ኣብ ከተማ ሽረ ክካየድ
ዝቕነየ ኣኼባ ዕላምኡ ንመረፃ 2007 ዓ/ም ንህወሓት ወኪሎም ንዝምረፁ ሕፁያት ብጣብያን ወረዳን ክግበር ዝግብኦ ባይታ ንምትዕርራይ
ምዃኑ ካብታ ከተማ ምንጭታትና ኣብ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ኣፍሊጦም፣
እቶም ኣኼበኛታት መጋበርያ ሰበስልጣን ስርዓት ህወሓት-ኢህወዴግ ንዝኾኑ
በብጣብይኡን ወረድኡን ተወኪሎም ንሃገራዊን ክልላዉን ተባሂሉ ኣብ ዝካየድ መረፃ ተኣከብቲ ኣባላትን ካድረታትን ኣብ ትሕትኦምን ንዘለዉ
ሓደ ንሓሙሽተ ብዝብል ዝተወደቡ ጉጅለታት ብምፅንፃንን ቆርንካ ብምሕዝን ንተቓወምቲ ንኸይምርፁ ንዝጠርጠርዎም ብትኹረት ክከታተሉን
ኣባል ውድብ ክስዕር ከምዘለዎ ብተግባር ክስራሓሉ ከም ዘለዎ ከቢድ ጎስጓስ ክካየደሎም ከም ዝቐነየ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
ተኣከብቲ
ብዘይምስልቻዉ ምእንቲ ክሳተፉን ኣብ ተግባር ምእንቲ ክሰርሕሉን መዓልታዊ ንሕድ ሕድ ተሳታፊ ከከም ደረጃ ሓላፍነቶም ካብ 140
ክሳብ 170 ብር መዓልታዊ ኣበል ከም ዝተኸፈሎም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ፣