Saturday, February 1, 2014

ብክልል ትግራይ ደረጃ ኣብ 2007 ዓ/ም ንዝካየድ መረፃ ዘተኮረ ካብ ወረዳታትን ጣብያታትን ንዝምረፁ ኣባላት ኣብ ከተማ ሽረ ኣኼባ ተኻይዱ፣




ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ እቲ ብተኸታታሊ ካብ 17 ጥሪ 2006 ዓ/ም  ጀሚሩ ክሳብ 20 ጥሪ 2006 ዓ/ም ብክልል ትግራይ ደረጃ ኣብ ከተማ ሽረ  ክካየድ ዝቕነየ ኣኼባ ዕላምኡ ንመረፃ 2007 ዓ/ም ንህወሓት ወኪሎም ንዝምረፁ ሕፁያት ብጣብያን ወረዳን ክግበር ዝግብኦ ባይታ ንምትዕርራይ ምዃኑ ካብታ ከተማ ምንጭታትና ኣብ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ኣፍሊጦም፣

   እቶም ኣኼበኛታት መጋበርያ ሰበስልጣን ስርዓት ህወሓት-ኢህወዴግ ንዝኾኑ በብጣብይኡን ወረድኡን ተወኪሎም ንሃገራዊን ክልላዉን ተባሂሉ ኣብ ዝካየድ መረፃ ተኣከብቲ ኣባላትን ካድረታትን ኣብ ትሕትኦምን ንዘለዉ ሓደ ንሓሙሽተ ብዝብል ዝተወደቡ ጉጅለታት ብምፅንፃንን ቆርንካ ብምሕዝን ንተቓወምቲ ንኸይምርፁ ንዝጠርጠርዎም ብትኹረት ክከታተሉን ኣባል ውድብ ክስዕር ከምዘለዎ ብተግባር ክስራሓሉ ከም ዘለዎ ከቢድ ጎስጓስ ክካየደሎም ከም ዝቐነየ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣

ተኣከብቲ ብዘይምስልቻዉ ምእንቲ ክሳተፉን ኣብ ተግባር ምእንቲ ክሰርሕሉን መዓልታዊ ንሕድ ሕድ ተሳታፊ ከከም ደረጃ ሓላፍነቶም ካብ 140 ክሳብ 170 ብር መዓልታዊ ኣበል ከም ዝተኸፈሎም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ፣