እተን
ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝርከባ ባንክታት ንህዝቢ ከገልግላ ተባሂለን ዝተኸፈታ እንተኾና ኣብ ተግባር ግና ኣግባብነት ብዘይብሉ
መንገዲ ካብ ህዝቢ ዘይተኣደነ ገንዘብ ንምግሓጥ መጠኑ ዝሓለፈ ወለድ ከኽፍላ ብሰበ ስልጣን እቲ ስርዓት ትእዛዝ ተዋሂብወን
ይሰርሓሉ ብምህላወን ከም ሳዕቤኑ ድማ ዓማዉለን እግሮም ብምስሓቦም ኣገልግሎት ምሃብ ጠጠው ኣቢለን ከም ዘለዋ ተፈሊጡ፣
እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ ብዙሓት ወገናት ካብተን ባንክታት
እናተለቕሑ ስራሖም ከሳልጡ
ምፅንሖም ድሕሪ ምግላፅ፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግን እተን
ባንክታት ምኽንያቱ ብዘይተነፀረ ካብ ዓቐን ንላዕሊ ወለድ የኽፍላ ስለ ዘለዋ እቶም ተገልገልቲ ብፍላይ ከዓ ሰብ ሃፍቲ ናብ ክንወፆ ዘይንኽእል ክሳራ ወዲቕና ብምባል መረረቶም የስምዑ ምህላዎም ተገሊፁ፣
ኣብ መወዳእታ እቲ ሓበሬታ እቲ ዘይርትዓዊ ምኽፋል ወለድ ዜጋታት ተለቂሖም
ንግዳዊ ትካሎቶም ከየንቀሳቕሱ ዕንቅፋት ብምዃነን ነዚ ፍታሕ ንኽግበረሉ እቶም ሰብ ሃፍቲ ናብ ዝምከቶም ኣካላት ዘቕረብዎ
ጥርዓን ቆላሕታ ክገብርሉ ብዘይምኽኣሎም ኣብ መንጎ ተገልጋልን መንግስትን ወጥሪ ተወሊዑ ከም ዘሎ ኣረዲኡ፣
ብተመሳስሊ ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዝርከቡ ፖላዊስ ናብ ሩሑቕ
ገጠራት ብምኻድ ኣብኡ ንዝርከቡ መናእሰይ ምኽንያቱ
ብይዘተፈልጠ ኣኪቦም ናብ ቤት ማእሰርቲ ይዳጉንዎም ምህላዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣