Saturday, February 1, 2014

ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ነበርቲ ከተማ ፍኖተ ሰላም ኣብ ዝተፈላለዩ ቤት ፅሕፈታት ዝሰርሑ ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛታት ብላዕለዎት ኣማሓደርቲ ግፍዕታት ይወርዶም ከምዘሎ ካብቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፣




ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ እዞም ኣብ ከተማ ፍኖተ ሰላም  ኣብ ዝተፈላለዩ ቤት ፅሕፈታት ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት መንግስቲ መርትዖታት ብዘይብሉን  ብዘይፈፀምዎ ገበን ኣብ ፀረ ግዕዝይና ብዝተመደቡ ላዕለዎት ኣማሓደርቲ ይሳቐዩ ምህላዎም ድሕሪ ምግላፅ ከም ውፅኢቱ ድማ ሰራሖም  ክገድፉ ይግደዱ ምህላዎም ተገሊፁ፣

   ካብቶም ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ዝተፈላለዩ ስቓይ ካብ ዘወርዱ ዘለዉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ሓደ ናይቲ ዞባ ከንቲባ ኣይተ ኣሸብር ዮሃንስ ዝተባህለ ማጋበርያ ናቲ ስርዓት ምዃኑ ዝገለፀ እቲ  ሓበሬታ በዚ ምኽንያት ድማ ዳርጋ ኩሎም ሰራሕተኛታት መንግስቲ እታ ከተማ ኣብ ከቢድ ስግኣት ምውዳቖም እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ገሊፁ፣

   ብተመሳስሊ ኣብ ዞባ ምዕራብ ጎጃም ወረዳ ወምበርማ ናይ ቀበሌታት ኮሊ፤ ጭራር፤ ጋለቤድን  ወይንማን ዝርከቡ ኣቦ መንበራት ንግብርና  ንጥዕና ጣብያን ከምኡ’ዉን ንስፖርት ተባሂሉ ካብ ህዝቢ ዝተዋፅአ ገንዘብ ብእዋኑ ናብ ናይ መንግስቲ ካዝና ከእትውዎ ብዘይምኽእሎም  ኣብ ቤት ማእሰርቲ  ከም ዘለዉ እኳ እንተተገለፀ ፅባሕ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ ብዘለዎም ርክብን ካብ ተፅዕኖ ካድረታት ነፃ ዘይኮነ ቤት ፍርዲ ነፃ ኢሉ ክለቖም ከምዝኽእል ህዝቢ እቲ ከባቢ ይዛረበሉ ከምዘሎ እቲ ዝበፅሐና ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ።

ካብቲ ዞባ ከይወፃእና ኣብ ወረዳ ጃዊ ዝርከቡ ኣማሓደርቲ ገንዘብ ህዝብን ሃገርን የጠፋፍኡ ከም ዘለዉ ካብቲ  ከባቢ  ዝበፅሓና ሓበሬታ  ኣመልኪቱ፣

 ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ኣዊ ወረዳ ጃዊ ዝርከቡ ኣማሓደርቲ መንግስቲ ስርዓት ጉጅለ ኢህወዴግ ኣብ ምጥፍፋእ ገንዘብ ህዝብን ሃገርን ምውፋሮም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ካብቶም ኣብ ምጥፍፋእ ዝተዋፈሩ  ኣይተ ገበየሁ ዝተብሃለ እንትኾን ንሱ ቅድም ክብል ናይቲ ወረዳ ምክትል ኣማሓዳሪ ኮይኑ ክሰርሕ ድሕሪ ምፅናሕ ዋና ኣማሓዳሪ ኮይኑ ንኽሰርሕ ብላዕለዎት ሰበስልጣን ምስተረቖሐ ብሪኢቶን ሓሳብን ብምሃብ ንዝደገፍዎ 4 ኣመራርሓ ናይ ደገፍቲ ደገፍቲ ብምባል ብስራሕ ኣበል ኣመኽንዩ ብፍሉይ ነንሕድ ሕዶም 30 ሽሕ ብር ኣገባብነት ብዘይብሉ መንገዲ ኣወራሪዱ ክኽፈሎም ከም ዝገበረ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣፍሊጡ፣

     
እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣስዒቡ ኣብ’ታ ወረዳ ዝርከቡ ኣመሓደርቲ ካብቲ ዋና ኣመሓዳሪ ጀሚርካ ክሳብ ቀበሌ ኣመራርሓ ብገበረለይ ክግብረልካ ተኣሳሲሮም ኣብ ምጥፍፋእ ገንዘብ ህዝብን ሃገርን ምውፋሮም ድሕሪ ምግላፅ ብፍላይ ከዓ ኣብ ቀበሌ ፈልፊል ኣቦ ወንበር ዝነበረ ደጋፊ ኣይተ ገበዮህ ምዃኑ ዝንገረሉ ብግብሪ ዝተኣከበ ልዕሊ 34 ሽሕ ብር ሰሪቑ  ከም ዝተሰወረ  ኣረዲኡ፣