ደርባን
ትራንስፖርት ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ግድብ ኣባይ ሰሚንቶ፤ ሓፂነ መፂንን ካልኦትን ከጓዓዕዙ ምፅንሖም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግና መንግስቲ ግቡእ
ኣቕርቦት ነዳዲ ብዘይምግባሩ ተደጋግሚ ሕቶ ከቕርቡ ፀኒሖም ኣወንታዊ ምላሽ ብዘይ ምርካቦም ብሰንኩ ዕለታዊ ስራሖም ብኣግባቡ ከሰላስሉ
ብዘይምኽኣሎም ነዚ ፀገም ንምፍታሕ ሰራሕተኛታት ተቓዉሞ ከካይዱ ከም ተገደዱ ተገሊፁ፣
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ እቶም ስራሕተኛታት ናይቲ ትካል ካብ 13 ክሳብ 15
ጥሪ 2006 ዓ/ም ስራሕ ደው ኣቢሎም ተቓዉሞ ከም ዝገበሩን ከም
ውፅኢቱ ድማ ህንፀት ናይቲ ስራሕ ክተዓናቐፍ ከም ዝኸኣለ ካብቲ
ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ ገሊፁ፣
ሰበ ስልጣን ስርዓት ህወሓት ኢህወዴግ ንህንፀት ግድብ ኣባይ
ቅድሚ ዝኾነ ካልእ ዕማም ዝስራዕ‘ዩ ብምባል ብኣፎም ይዛረቡ እኳ እንተኾኑ ኣብ ተግባር መፂኻ ግና ብኣንፃሩ ንረብሓታቶም ክብሉ
ኣብ ምትዕንቓፍን ምስንኻልን ከም ዝርከቡ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ፣