Monday, February 3, 2014

ንዉፁዕ ህዝብና ዘይጠቐመ እናበኣሰ ዝኸይድ ሕማቅ ምሕደራ ወያነ!



መራሕቲ ህ.ወ.ሓ.ት ኢ.ህ.ወ.ዴ.ግ ከም ኣመሎም ንቑንጣሮ እናጋነኑ ነቲ ጥፍኣት ከም ልምዓት ንስእነት ፍትሕን ዴሞክራስን ሰናይ ምምሕዳር ሰፊኑ እናበሉ በቲ ወግሐ ፀብሐ ንጉጅለኦም ክዉድስ ዘይስልችን ባዕሎም ዝባሓትወን ንብረት ህዝቢ ዝኾና ሚድያታትን ኣቢሎም ዉፁዕ ህዝብና ብኹሉ መኣዝኑ ሕሱር ሂወት እናመርሐ እንተሎ ዘይናቱ ረብሓ እናዜምሉ ይርከቡ፣


እዞም ብዉልቀ ረብሓ ዝዓወሩ ጠላማት መራሕቲ ንህዝብና እናደናገሩን ኣንፃር ፀረ ህዝቢ ምሕደረኦም ፍሒት ንዝበለ እናዓምፀፁን ኣብ መላእ ሃገርና ኢ-ዴሞክራስያዊ ምሕደራን ፀቢብነትን ኣንጊሶም ንሶም ብዝዘመትዎ ሃፍቲ ህዝብን ሃገርን እናዓንደሩ፣ ድኻ ህዝብና ግን ብሕሱም ድኽነት ብዝወርዶ ዘሎ ማእለያ ዘይብሉ ፀገማት እናንፀርፀረ ሰማዒ ስኢኑ ይርከብ፣
  ካብ መሰረቱ መራሕቲ እዚ ጉጅለ ናይ ምድንጋር‘ምበር ናይ ተግባር ሰባት ኣይኮኑን፣ እቲ ግዕዘይ ምሕደረኦም ድማ ኣብ ዝሓለፈ ናይ 22 ዓመት ዘመነ ስልጣኖም ህዝብና ኣብ ጥሜትን ድሕረትን እና ሃለወ ንባዕሎም ሃፍቲ ህዝብን ሃገርን እናገበቱ ፀረ ህዝቢ ተግባሮም ኣጠናኺሮም  ይቕፅሉ ኣለው፣
 ሎሚ ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ሃገርና ዝርከባ ኣብያተ ማእሰርቲ በበዝሒ እሱራት ኣዕለቕሊቐን ይርከባ፣ እዞም ናይ ህወሓት ኢህወዴግ ደገፍቲ ኣይኮንኩምን ናይ ተቃወምቲ ዉድባት ተሓባበርቲ ኢኹም ወዘተ እናተብሃሉ ናብ ቤት ማእሰርቲ ዝዳጎኑ ዘለዉ ዜጋታትና ንብርክት ዝበለ ዓመታት ክእሰሩ ብምግባር ኣደዳ ሕማምን ሞትን ክኽኑ እንትገብሮም ብዝተፋላለየ ምኽንያታት እናሳበበ ድማ ኣባላት ፀጥታ እቲ ስርዓት ንዜጋታትና ብተመልከተልይ ህይወቶም ክስእኑ ይገብሩ ኣለዉ በዚ መሰረት፣
 ኣብ ወረዳ መተማ ብዘይ ሕጋዊ መገዲ ተወዲበን ናብ ሱዳን ዝሰግራ ዝነበራ ተምሃሮ 10 ክፍሊ ፈደራል ፖሊስ ብዝኸፈቱለን ቶኽሲ  ኣብረሀት ኣወቀን  ታምሩ ቸኮለን ዝተብሃላ ዜጋታትና ተቀቲለን 4 ቆሲለን ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ሰራሕተኛታት ፅርጊያ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣባባ ብኮቦርታት ዝተጠቕለለ ሬሳታት ረኺቦም፣
 መራሕቲ ወያነ-ኢህወዴግ ኣብ ዝግበር ኣኼባታት ናይ መሰል ሕቶ ዘልዓሉ ዜጋታት መለዓዓልቲ ተባሂሎም ኣብ ልዕሊኦም ግፍዕታት የብፅሕሎምን የጥፍእዎምን፣    ጉጅለ ህወሓት ኢህወደግ ብስዉርን ብጉህድን ኣብ ልዕሊ ዉፁዕ ህዝብና ዝተፈላለየ ግፍዕታት ዝፈፀመን ብደም ህዝቢ ዕድመ ስልጣኑ ዘናውሕ ዘሎ ስርዓትን እዩ፣
ስለዚ  ኩሉ ፀገማት ህዝብና ከብቅዕን ንሃገርና ዝጠቕም ስርዓት ንምትካልን ሓድነትና ኣሕይልና ኣንፃር ነዚ እናባኣሰ ዝኸይድ ዘሎ ምሕደራ ስርዓት ወያነ ኢህወዲግ ንቃለስ፣