ብመሰረት
እቲ ሓበሬታ ብሼኽ ኣላሙዲ ኣብ ዝውነን ኣግሮ ሴፍት ናይ ሕርሻ ልምዓት ክሰርሑ ዝፀንሑ ልዕሊ 22 ቀወምቲ ሰራሕተኛታት ናይ ጡሮታ
እዋንኩም ኣኺሉ ብምባል ብሃንደበት ካብ ስራሖም ብዘይ ገለ መሃያ ብምስጓግ ኣብ ክንድኦም ምንም ተምኩሮ ስራሕ ዘይብሎም ፀግዒ
ናይቲ ስርዓት ብዝኾኑ ሰባት ክትካእ ተጌሩ ከም ዘሎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ እቶም ኣብ ክንድኦም ተኪኦም ዝተቖፀሩ ሰራሕተኛታት
ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራት መሰልጠኛ ብማዓርግ ሓለቓ ሽሕን ኮለኔልን ተመዲቦም ነቲ ስርዓት ከገልግሉ ድሕሪ ምፅናሕ ብወልቀ ናብ ዝውነን ትካል ሸኽ ኣላሙዲ ተዛዋዊሮም ንኽሰርሑ ዝተመደቡ
ምዃኖም እቲ ሓበሬታ ገሊፁ፣
እቶም ኣብ ስርሖም ዝፈፀምዎ ግድፈት ዘይብሎም ግን ከዓ ካብቲ ንነዊሕ
ዓመታት ብቀዋሚ ተቖፂሮም ክሰርሕሉ ዝፀንሑ ስራሕ ዝተባረሩ ሰራሕተኛ ከም ሕጋዉያን ተቖፀረት መጠን ናይ ጡሮታ ኣበል ክረኽቡ
እናተገበአ ዋላ እንተዘይ ተሓለወሎም ትሕጋግ ክፍሊት ክረኽቡ ግና በቲ በለ በቲ ዘይተረፍ ግቡእ ምዃኑ ብመረትዖ ኣሰንዮም ናብ
ዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ዘቕረብዎ ጥርዓን ክሳብ ሕዚ ውፅኢት ክረኽብሉ ከም ዘይከኣሉ ገሊፆም፣