Saturday, April 26, 2014

ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ መንጎ ብሄረሰብ ዒሳን ካብ ብሄረሰብ ሶማል-ኢትዮጵያ ዓሌት ሃውያን ብ11/ ሚያዚያ/2006 ዓ/ም ዝተፈጥረ ግጭት ብርክት ዝበሉ ወገናት ግዳይ ሞትን መቑሰልትን ምኻኖም ተፈሊጡ።



እቲ ብ11 ሚያዝያ 2006 ዓ/ም  ኣብ ክልል ዓፋር ወረዳ ገዋኒ ጣብያ መተኻ ዝርከቡ ብሄረሰብ ዒሳን ኣብ ክልል ሶማል ዝርከቡ ዓሌት ሃውያን ብዝተፈጥረ ግጭት  ካብ ብሄረሰብ ዓፋር 8 ሰባት ሞይቶም 9 ሰባት ብኸቢድ እንትቖስሉ ፤ ካብ ናይ ሶማል-ኢትዮጵያ ዓሌት ሃውያ 9 ሰባት ክሞቱ እንከለው ካልኦት 5ድማ ከም ዝቖሰሉ ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።

    እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ ነቲ ኩነታት ከረጋግኡ ኢሎም ናብቲ ቦታ ዝኸዱ ኣባላት ፌደራል ፖሊስ  ወያነ-ኢህወዴግ እንተኾኑ’ውን  መንጎኛ ኮይኖም ከረጋግኡ እናተገበኦም ምስ ናይ ሶማል ብሄረሰብ ዓሌት ሃውያ  ወጊኖም  ከም ዝተዋግኡን ኣብቲ ኩናት ካብ ዝተሳተፉ ኣባላት ፈደራል ፖሊስ  ድማ  3 ከም ዝሞቱ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ላዕለዎት ሓለፍቲ እቲ ስርዓት ኣብቲ ኣብ መንጎ ደቂ ሓንቲ ሃገር ብረት ተሰንዮ ዝተኻየደ ግጭት ፌደራል ፖሊስ ኣብ ስልጣን ናይ ዘሎ ስርዓት ንዓሌት ሃውያ ብምድጋፍ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ብሄረሰብ ዓፋር ናይ ዝኾኑ ዓሌት ዒሳ ዝፈፀምዎ ግፍዒ ካብ ዓይኒ ህዝቢ ንምኻዋል ኣብቲ ከባቢ ንዝነበሩን ግፍዐኛታት ኣብላት ፌደራል ፖሊስ ካብቲ ከባቢ ከም ዘልዓሎምን እቶም ዝሞቱ ሰለስተ ኣባላቱ እውን ዘይተሳተፉ ንኽመስል ከም ዝሓበኦም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።   

    ተወሳኺ ተወለድቲ ብሄረሰብ ዓፋር። ነቶም ኣብ ክንዲ ምርግጋዕ ምስ ዓሌት ሃውያ ብምውጋኖምን ኣብ ልዕሊኦም ጠያይት ተኲሶም ጉድኣት ብምብፅሖም ናብ ዝምልከቶ ናይ መንግስቲ ኣካል ክሲ እንተቕረቡ  ብወገን  መንግስቲ  እንፈልጦ ነገር የለን ፤ ኢድ ፈደራል ፖሊስ የብሉን ብምባል ከም ዝነፀጉዎም እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።