Saturday, April 26, 2014

ካብ 18/መጋቢት/2006 ዓ/ም ክሳብ 5/ሚያዚያ/2006 ዓም ኣብ ግዕዝይና ኣመልክኺቱ ካብ ሓለፍቲ ሬጅመንት ንላዕሊ ዝተሳተፉሉ ኣኼባ ኣብ መወዳእትኡ ብዘይፍረ ከም ዝተበተነ ካብ ምክልኻል ሊሒኹ ዝበፅሓና ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



ነቲ  ካብ መራሕቲ  ሬጅመንት ንላዕሊ ዝርከቡ ኣባላት ናይቲ ምክልኻል ዝተሳተፍዎ ኣኼባ  ብመሪሕነት ጄነራል ዘወዱ ኪሮስ ምክያዱ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ኣብቲ ዝቐረበ ኣጀንዳ  ኣመልኪቶም  ተሳተፍቲ  ኣብ ዘቕረብዎ  ሪኢቶ “ግዕዝይና ክጠፍእ እንተኾይኑ  እቶም ኣብ ቤት ፅሕፈታት ኮፍ ኢሎም ገንዘብ ህዝብን ሃገርን ብዘይ ኣግባብ  ኣብ ልዕሊ ዘጠፋፋኡ ዘለዉ  መራሕቲን ኣዘዝትን ጉቡእ ስጉምቲ ክወስድ ኣለዎ እንተዘይ ኾይኑ ኣብዙይ ምዝራብ ትርጉም የብሉን” ብምባል ነቲ ዝቐረበ ኣጀንዳ ከም ዝተቓወምዎ ተፈሊጡ።

     ኣብ መወዳእታ ነቲ ብጄነራል ዘውዱ ዝቐረበ ብዛዕባ ምስፍፋሕ ግዕዝይና ንትልምናን ዘተዓናቕፍ ስለዝኾነ  መፍትሒ ንግበረሉ ክትብል ዘቕረበቶ ሓሳብ በቶም መራሕቲን ኣዘዝትን ክፍለ ሰራዊትን ሬጅመንትን በዚ ኣኼባ እዚ መሰረታዊ ፍታሕ ከመፅእ ኣይክእልን ብምባል ከም ዝተቃወምዋን ኣብ መወዳእታ ብዘይ ሓደ ፍረ ከም ዝተበተኑ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ የመልክት።