ብመሰረት’ቲ ሓበሬታ መራሕቲ
ህወሓት ኢህወደግ ንዝፈተውዎ ወይ ጉቦ ንዘብልዖም ሰብ መሬት ክንዲ ዝደለዮ እንትህብዎ ንዝፀልእዎ ወይ ደስ ንዘይበሎም ድማ መንጢሎም ንኻልእ ብምሃብ ህዝቢ ነንባዕሉ ንኽናቖቱ ወዲት ይፍሕሱ ምህላዎም
ከም ውፂኢቱ ድማ ኣብ ወረዳ ወልቃይት ከባቢ ዓዲ ረመፅ ዜጋታት ብመሬት ተሳሓሒቦም ሰለስተ ሰባት ብኻራ ከም ዝተቓተሉ ነቲ ፍፃመ ዝተኸታተሉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ሓቢሮም።
እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ እቶም ኣማሓደርቲ ብዝፈጠርዎ ናይ መሬት ዕደላ ፀገም ብዝተልዓለ ዕግርግር ብ6 ሚያዝያ 2006 ዓ/ም ኣይተ ኩራተይ ኣስራት ዝተብሃለ ዜጋ ናይ ሕርሻ መሬቱ ክምንጥሎ ንዝመፀ ኣይተ ሙላቴ ንዝተብሃለ ብኻራ
ወጊኡ ከም ዝቐተሎ ድሕሪ ምግላፅ ቤተሰብ ኣይተ ሙላቴ ድማ ሕነ ብምፍዳይ ንኣይተ ኩረተይ ከም ዝቐተሎን ናባዕሉ’ውን ከም
ዝሞተን ብሓፈሻ ሕይወት 3ተ ሰባት ከም ዝሓለፈ ተፈሊጡ።
ብተመሳሳሊ ካብቲ ዞባ ከይወፃእና ኣብ ከባቢ ዓዲ ጎሹ ዝርከቡ ሓለውቲ ሕዛእትን ሰብ ጥሪትን ከም ዝተታኾሱ ዝገለፀ እቲ ሓበሪታ ከም ውፅኢቱ ድማ ኣብቲ ከባቢ ሓያል ዕግርግር ተኸሲቱ ከም ዘሎ ንምፍላጥ
ተኻኢሉ።