እዞም
ኣስታት 4,500 ዝኣኽሉን ብዙሓት ኢንቨስተራት ዝርከብዎምን ገባራት ተወለድቲ ኣምሓራ ዝኾኑ ዜጋታትና ኣብ መገዛ ሃገሮም ከም ካልኣይ ዜጋ
ተቆፂሮም ብካድረታት ሰርዓት ወያነ ኢህወደግ ካብ መረበቶም
ይፈናቐሉ ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ብፍላይ እዞም ንብርክት ዝበለ ዓመታት ክነብሩሉ ካብ ዝፅንሑ ከባቢታት ባምባስ፤ሶጌን ኣሶሳን ኣብ ዝተብሃሉ ወረዳታት ብሓይሊ
ይፈናቐሉ ምህላዎምን ተገሊፁ።
እቲ ሓበሬታ
ወሲኹ እዞም ዝፈናቀሉ ዘለዉ ዜጋታትና ነቲ ኣብ
ልዕሊኦም ዝበፅሕ ዘሎ ግፍዒ ፍታሕ ንኽግበረሉ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ጥርዓን ከም ዘቕረቡ ድሕሪ ምግላፅ እንተኾነ ካብቶም
ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ናይቲ ክልል ኣይተ ኣላምነው መኮነን ሓዊስካ 3ተ ኣማሓደርቲ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም
እቶም ተፈናቐልቲ ኣብ ቦትኦም ክፀንሑ ዝቀረበ ሓሳብ ዝርርብ ዋላኳ እንተካየዱ ኩሎም እቶም ኣባላት
ክሰማምዑሉ ከም ዘይከኣሉ ተገሊፁ።
ኣብ መወዳእታ እቲ ሓበሬታ ናይ ወረዳ ባምባስ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኣማሓዳሪ
ብዙሓት ዕጡቓት ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ብምውፋር
ጭካነ ብዝተመልኦ ተግባር እቶም ዜጋታት ካብ ዝነብሩሉ ከባቢ ጀቢ
፤ጠህናና፤ደምበጫ ፤ስከላ፤ቋሪት፤ ድጋ ዳሞት፤ ቡሬኣዴታን ካብ
ካልኦት ስፍራታትን ልዕሊ 4,500 ዝኾኑ ዜጋታትና ብሓይሊ ኣገዲዱ ከምዘፈናቐሎም
እቲ ሓበሬታ ገሊፁ።