Sunday, April 13, 2014

ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ዝነብሩ ብኣሻሓት ዝቑፀሩ ተወለድቲ ኣምሓራ ካብ መረበቶም ብሓይሊ ተገዲዶም ይፈናቀሉ ምህላዎም ካብቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ ገሊፁ።



 እዞም  ኣስታት 4,500 ዝኣኽሉን ብዙሓት ኢንቨስተራት ዝርከብዎምን ገባራት   ተወለድቲ ኣምሓራ ዝኾኑ ዜጋታትና ኣብ መገዛ ሃገሮም ከም ካልኣይ ዜጋ ተቆፂሮም  ብካድረታት ሰርዓት ወያነ ኢህወደግ ካብ መረበቶም ይፈናቐሉ ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ብፍላይ እዞም ንብርክት ዝበለ ዓመታት ክነብሩሉ  ካብ ዝፅንሑ ከባቢታት ባምባስ፤ሶጌን ኣሶሳን ኣብ ዝተብሃሉ ወረዳታት   ብሓይሊ  ይፈናቐሉ ምህላዎምን  ተገሊፁ።

     እቲ ሓበሬታ  ወሲኹ እዞም  ዝፈናቀሉ ዘለዉ ዜጋታትና ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝበፅሕ ዘሎ ግፍዒ ፍታሕ ንኽግበረሉ ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ጥርዓን ከም ዘቕረቡ ድሕሪ ምግላፅ እንተኾነ  ካብቶም  ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ናይቲ ክልል ኣይተ ኣላምነው መኮነን ሓዊስካ 3ተ ኣማሓደርቲ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም እቶም ተፈናቐልቲ ኣብ ቦትኦም ክፀንሑ  ዝቀረበ ሓሳብ  ዝርርብ ዋላኳ እንተካየዱ  ኩሎም እቶም ኣባላት  ክሰማምዑሉ  ከም ዘይከኣሉ ተገሊፁ።

 ኣብ መወዳእታ እቲ ሓበሬታ ናይ ወረዳ ባምባስ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት  ኣማሓዳሪ  ብዙሓት ዕጡቓት  ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ብምውፋር ጭካነ ብዝተመልኦ ተግባር  እቶም ዜጋታት ካብ ዝነብሩሉ ከባቢ ጀቢ ፤ጠህናና፤ደምበጫ ፤ስከላ፤ቋሪት፤ ድጋ ዳሞት፤ ቡሬኣዴታን  ካብ ካልኦት ስፍራታትን  ልዕሊ 4,500  ዝኾኑ ዜጋታትና ብሓይሊ  ኣገዲዱ ከምዘፈናቐሎም  እቲ ሓበሬታ ገሊፁ።