Friday, July 18, 2014

ኣብ ወረዳ እንደርታ ነበርቲ ጣብያ እግሪ-ሓሬባ ብኣስገዳድ ናብ ዞባ መቐለ ኣይንፅንበርን ብምባሎም ብትእዛዝ ኣመሓደርቲ ይእሰሩ ምህላዎም ምንጭታትና ዝለኣኹልና ሓበሬታ የመልክት፣፣



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ካብ 2005 ዓ/ም ጀሚሩ ብካድረታት ናይ’ቲ ስርዓት ኣብ ወረዳ እንደርታ ጣብያ እግሪ-ሓሬባ ዝርከቡ ነበርቲ ብኣስገዳድ ናብ ምምሕዳር ከተማ መቐለ ንኽፅንበሩ ክገብርዎ ዝፀንሑ ፀቕጥታት ብነበርቲ ጣብያ እግሪ ሓሬባ ተቓውሞ ስለ ዘጋጠሞም ነቲ ህዝቢ ካብ ኣገልግሎት ሕክምና፤ ትምህርትን ካልኦት ማሕበራዊ ጉዳያት ኣጊደሞ ከምዘለው  ተፈሊጡ፣
     
    ብተወሳኺ ናብ ከተማ መቐለ ኣይንፅበርን ኢሎም ብምቅዋሞ ጥራሕ ካብ ዝተኣስሩ ንፁሃት ዜጋታትና ወ/ሮ ኣልጋነሽ ገብሩ፤ ኣይተ ሙዑዝ በላይ፤ ሓለፎም ገብረምካኤል፤ ኣይተ ኣያሌው በለጠን ኣቶ ከለለን ዝተብሃሉ ዜጋታት ከም ዝኹን ድሕሪ ምጥቃስ ነቲ ኩሉ እከይ ተግባር ዝፍፅሙ ዘለው ዕሱባት ኣባላት ድህንነት ድማ መምህር ሃፍቱ ኣሰፋን መምህር መረሳ (ብኤልያስ) ዝፍለጥን ምዃኖም እቲ ሓበሬታ የረድእ፣፣