እቶም ኣማሓደርቲ ስልጣኖም ተጠቒሞም ንኣባላት ህወሓት-ኢህወዴግ
ንዝኾኑን ከምኡ’ዉን ኣብ ምግዛእ ኢድ ብኢድ ንዝኸፍሉ ሃፋትምን ክንዲ ዝኸኣልዎ እንትሸጥሎም ነቶም ዝበዝሑ ድኻታት ሓረስቶት ግን ብዝኸበረ ንዝተወሰኑ ምስ ኣከፋፈሉ ተወዲኡ ብምባል እቲ ዝበዝሐ ሓረስታይ
ከይወሰደ ክቋረፅ ከም ዝገበሩ ተፈሊጡ፣፣
እቲ ብ17 ሰነ 2006 ዓ/ም ኣብ’ታ ጣብያ ዝተኻይደ ናይ ምሻጥን
ምክፍፋልን መዳበርያ እቲ ዝበዝሕ ሓረስታይ ከይገዝአ ደው ከም ዘበልዎ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ሰበ ስልጣን ወያነ ወገሐ ፀብሐ
ንኹሉ ሓረስታይ ዝኣክል መዳበርያ ኣለና እናበሉ ዝምድርዎ ኣብ ተግባር መፂኻ እትውዕየካ ብማንካ እንትዝሕለካ ቢድካ ኮይኑ
ብምባል ነቲ ዝካየድ ዘሎ ማዳበሪያ ኣብዝሓ ሓረስታይ ማእኸል ዘይገበረ መሸጣ ማዳአሪያ ፍታሕ ክገበረሉ ንዝምልከቶም ኣካላት
ዘቕረብዎ ሕቶ ሰማዒ ክረኽቡ ከም ዘይከኣሉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ፣፣