Friday, July 25, 2014

ትርጉም አሸባርነት ብዓይኒ መሪሕነት ወያነ ኢህወደግ!




ስርዓት ወያነ ኢህወደግ መራሕቱን ንራዕድን ኣሸባርነትን አብ ዝምልከት ምስ ናይ ባዕሎም ጥቕምን ረብሓን እናተአሳሰሩ ሓቅነቱ ብዘይተረጋገፀ መንገዲ አብ ልዕሊ ህዝቢ ብናይ ውልቀሰባት ቀጥታዊ ትእዛዝ ዓበይቲ ግፍዕታት ተፈፂሙ ምስተባህለን እቶም ግፍዒ ኣብፂሖም ዝተብሃሉ ኣካላት ኣብ ኢድ ቁፅፅር እቲ ስርዓት ምስ ኣተው አብ ልዕሊኦም ዝበፅሕ ሰብ-አውነት ዝጎደሎ ኣተሓሕዛ ተሓለቕቲ ሰላምን ዴሞክራስን መሲሎም ንዘቕርብዎ ሓሳብ ብዝፃረር መንገዲ ኮነ ኢሎም ብሓሰት እናወንጀሉ አብ ልዕሊ ሰብኣዊ ፍጡራት ዘሰቅቕ በደላት እንተብፅሑ ይረአዩ ኣለው፣፣
     ኣብ ሃገርና ንኣሸባርነት ኣመልኪቶም ዝወሃቡ መረዳእታ ምስንርኢ ብፍላይ አብ ስልጣን ዘሎ ገዛኢ ስርዓት ነቲ ተቖፃፂርዎ ዘሎ  ስልጣን ዕድመ ንምንዋሕ ተባሂሉ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብዘካይዶ ፀረ ዴሞክራሲያዊ ተግባራት ተቀባልነት ስለ ዘስአኖ ነዚ ተጠቒሞም ኣብ ዝተፈላለዩ ሚድያታት ነቲ ስርዓት ከቃልዑ ንዝፈተኑ ኣዳለውቲ መፅሄትን ጋዜጣታትን፤ ንህዝቢ መሪሖም ፀረ መንግስቲ ተቓውሞ ንዘካይዱ ዜጋታት፤ ሕገ መንግስታዊ መሰላቶም ተጠቒሞም  ንዝቃለሱ መራሕቲ ተቓወምቲ ውድባትን ኣባላትን ወ.ዘ.ተ መለዓዓልቲ፤ ኣሸበርቲ፤ ፀረ ልምዓትን ተለአአኽትን ዝብል ስም እናጠመቐ አብ ልዕሊኦም ከቢድ ፀረ ዴሞክራሲያዊ ዓፈና፤ ማእሰርትን ሞትን እንትፍፀም ምርአይ ልሙድ’ዩ፣፣
     ካብ ዝሓለፉ ዓመታት ጀሚሩ ብስም መለዓዓልቲ ፈጠርቲ ራዕድን ፀረ ልምዓትን ተባሂሎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ወያነ ኢህወደግ ተዳጕኖም ዝሳቐዩ ዘለው ተቃለስቲ ማለት- ቅድም ክብል ከም በዓል ርእዮት አለሙ፤ ውብሸት ታየ፤ ኣንድለም ኣራጌ፤ መሃመድ ኣቡበከር፤ እስክንድር ነጋ፤ ናትናኤል ፈለቀ፤ ዘለአለም ክብረት ኣብ ዝቀረባ እዋን ድማ ከም በዓል  ኣንዳርጋቸው ፅገ፤ የሸዋስ ከበደስለሺ ኣያሌው፤ ኣብርሃ ደስታን ካልኦት ዕላማ ህዝቢ ተሃንጊጦም ኣብ ምቅላስ ዝርከቡ ዜጋታትና። እቲ ስርዓት ዝዛረበሉ ናይ ይምሰል መሰል ኣብ ኣባይታ ፈፂሙ ክትግበር ስለ ዘይተርአየ ክሳብ ሕዚ ንለውጢ ኣብ ልዕሊ ስተበገሱ ንፁሃን ወገናት ዘየለ ወንጀል እናተለጠፎም ኣብ ስቓይን መግረፍትን ከም ዝርከቡ ኩሉ ህዝቢ ይፈልጥ’ዩ፣፣
   ምስሉይነት መራሕቲ ወያነ ኢህወደግ መወዳእታ ከም ዘይብሉ ህዝብና ብዝግባእ ዝፈልጦ እኳ እንተኾነ፣ ኣብ 2007 ዓ/ም ክካየድ ዝሕሰብ ዘሎ መምሰሊ መረፃ‘ቲ ስርዓት ከም ልሙድ ኢህወደግ ንበይኑ ተቐዳዲሙ ስዒረ ንምባልን ዓፋናይ ተግባሩ ንምግሃድን ሓሲቡ፣ ኮነ ኢሉ መረፃ ኣብ ዝቀራረበሉ እዋን ተሰማዕነት ንዘለዎምን ወገን ህዝቢ ንዝኾኑ ወገናትን ፍፁም ተኣማንነት ብዘይብሉ መንገዲ ብስም ፀረ ሰላምን ልምዓትን ዝብል ዝበለየ ኣባህላ ናብ ቤት ማእሰርቲ እናዳጎኖም ይርከብ፣፣
     ነገሩ “ ሽምዓ ንባዕላ እናመኸኸት ንኸባቢአ ብርሃን ትልግስ “ ከም ዝበሃል  ምእንተ ክብርን ናፅነትን ህዝቦም ዝውፈዩ ተቓለስቲ ኩሉ ግዜ ኣብልቢ ህዝቦም  ይነብሩን  ንሶም ዘፍረይዎም ኣሻሓት ሃርበኛታት ድማ ሕድሮም ተሸኪሞም ህዝባዊ ዓላማ ኣብ ሽትኡ ንምብፃሕ ቃልሶም ኣጠናኺሮም ከም ዝቕፅልሉ ፍፁም ዘጠራጥር ኣይኮነን፣፣