Thursday, August 14, 2014

ወያነ ኢህወደግ ይኽተሎ ብዘሎ ከፋፊልካ ግዛእን ዓፈናን ዝመፅእ ምርጫ 2007 ዓ/ም ናይ መጨረሻ ዉድቀቱ ክኸዉን ከም ዝኽእል ገለገለ ምሁራት ገሊፆም።



    ኣብ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ዝነቱግ ዘሎ ህዝባዊ ዓመፅን ብተኸተልቲ እምነት እስልምና እሱራት ይፈትሑ ዝብል ዝተላዕለ ሕቶን መበገሲ ብምግባር ናይ ወያነ ኢህወዴግ ከፋፊልካ ግዛእ ዝብል ዓፋኒ ስርዓት ኣብ 2007 ብዘቐመጦ ናይ ምጭብርባር ምርጫ ከቢድ ተቓዉሞ ከም ዝገጥሞን ኣብ ህዝቢ ዘለዎ ተቐባልነት በቲ ዝኽተሎ ዘሎ ዓፈናን ወፅዓታትን ዝተተፍአ ምዃኑ ካብ ዘረባ እቶም ምሁራት ንምርዳእተኻኢሉ።
    እዚ ከም’ዚ ኢሉ እናሃለወ እቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ኣብዚ ቀረባ ኣዋን ብተለኣኣኽነት መንግስቲ የመን ኣብ ልዕሊ ዋና ፅሓፊ ጉንቦት 7 ኣንዳርጋቸዉ ፅጌ፤ ኣብ ልዕሊ 4 ኣመራርሓ ተቓወምቲ ዉድባትን ብርክት ዝበሉ ጋዜጠኛታትን ዝወስዶ ዘሎ ኣረሜናዊ ማእሰርትን መግረፍትን ብርቱዕ ዉግዘት እናገጠሞ ምዃኑ ድሕሪ ምጥቃስ እዚ ድማ ምልክት ዉድቀት ሓደ ኣምባገነን ስርዓት ምዃኑ ፀሓፊ ታሪኽ፤ ደራሲ፤ ጋዜጠኛን ከምኡ‘ዉን ኣብ ሃገረ ቤልጅም ናይ ሌበር ፓርቲ ኣባልን ፖለቲከኛን ዝኾኑ ኣይተ መሓመድ ሓሰን ምስ ሬድዮን ተሌቭዥንን ደ.ም.ህ.ት. ኣብ’ዚ ቅንያት ኣብ ዝገበርዎ ቃለ-መሕተት ገሊፆም፣፣
    ክብራትን ክብራንን ሰማዕትና/ እቲ ደራሲ፤ ጋዜጠኛን ናይ ፖለቲካ ተንታኒን ኣብ ኢትዮጵያ ዘይምርግጋዕ ፖለቲካ፤ ናይ ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ቅልዉላው ከምኡ ‘ዉን ፀገም ሰናይ ምምሕዳር ኣጋጢሙ ከም ዝርከብ ብዝምልከት ዝገበርዎ ቃለ-መሕተት ሙሉእ ምድላዋቱ ብድሕረ ገፅና www.demhit online ወይ’ዉን tpdmtv ክትካታተልዎ ከምትኽእሉ ንሕብር፣፣