Thursday, August 14, 2014

ኣብ ክልል ኣምሓራ ወረዳ ዓዲ ኣርቃይ ከባቢ ጣብያ ዛሬማ ዝርከቡ ፌደራል ፖሊስ ምስ ኣማሓደርቲ እቲ ከባቢ ብምዃን ብ27 ሓምለ 2006 ዓ/ም ንፁሃት ዜጋታት ብግፍዒ ይቐትሉ ምህላዎም ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም።



      እዞም  ኣብ ወረዳ ዓዲ ኣርቃይ ጣብያ ዛሬማ  ኣብ መውፅኢ መስመር ጎንደር ዝርከብ ድልድል ሰፊሮም ዘለው ፌደራል ፖሊስ ንሰለስተ ነበርቲ እቲ ከባቢ ብ27 ሓምለ 2006 ዓ/ም ብጥይት ተኲሶም ብግፍዒ እንትቐትሉ ምስኦም ዝነበረ ራብዓዮም ሃዲሙ ከም ዘምለጠ ምንጭታትና ካብ’ቲ ከባቢ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

   እቲ ካብ’ቶም ፈደራል ፖሊስ ሃዲሙ ዘምለጠ ዜጋ ከም ዝገለፆ ”ምሽት ሰዓት 2 ብፀግዒ ገዛ እናሓለፍና መን ኢኻ ዝብል ደሃይ ከይተሰምዐ ብሃንደበት ናባና ብዝተተኮሰ ጥይት እቶም ሰለስተ ብፆተይ ተወቒዖም እንትወድቁ ኣነ ግን ሃዲመ ከምልጥ ክኢለ” ክብል ነቲ ዝተፈፀመ ግፍዒ ብምረት ከምዘርደአ እቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ወሲኹ ኣፍሊጡ።

   እቶም በቶም ፈደራል ፖሊስ ብዝተተኮስ ጥይት ተሃሪሞም ህይወቶም ዝሓለፉ ንፁሃት ዜጋታትና ኣይተ ኣላማረው ተጫነ፤ ኣይተ ታረቀ ማናስቦ፤ ከምኡ’ዉን ወተሃደር ነበር ኣይተ ኩማ ጂራ  ከም ዝኾኑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ።