Tuesday, October 14, 2014

ካብ ኢትዮጵያ ድኽነት ክጠፍእ ዘይከኣለ ጠንቑ ሕሉፋት ገዛእቲ እዮም ክብሉ ስበ ስልጣን ጉጅለ ወያነ-ኢህወዴግ ዘቕርብዎ ምስሉይ ሓሳብ ብህዝቢ ተቐባልነት ከም ዘይረኸበ ተሓቢሩ፣





ንከተማ መቐለ ሓዊሱ ኣብ ብዙሕ ከባቢታት  ሃገርና  ብካድረታት ጉጅለ ኢህወዴግ  ኣኼባታት ይካየድ ምህላዉ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፤ ኣጀንዳ ናይ’ቲ  ኣኼባ ድማ ንልምዓታዊ ዴሞክራሲን ሰላም ህዳሰ ኢትዮጵያን ከመይ ይኸይድ ኣሎ፤ ኣብ ሃገርና ዘሎ ድኽነት ቀንዲ ጠንቁ ሕሉፋት ገዛእቲ ስርዓታት ዝገደፍዎ  በሰላ እዩ፤  ውድብ ኢሕወዴግ ነዚ ድኽነት ንምቕራፍ ብዙሕ ሰሪሑ እንተኾነ ሱር ስዲዱ ስለ ዝፀንሐ ክነጥፈኦ ኣይከኣልናን  ስለ’ዚ ህዝቢ ነዚ ክፈልጥን ክርዳኣን ኣለዎ ዝብሉ እንተኾኑ፤ ተኣካባይ ህዝቢ ግን ከም ዘይተቐበሎ ምንጭታትና ኣብ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ገሊፆም፣

      እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ ብፍላይ ኣይተ ኣሰፋ ተገኝ ሓላፊ ልምዓትን ምክትል ከንቲባን ከተማ መቐለ ንህዝቢ ከተማ መቐለ ኣኪቡ፤ መንግስትና ህዝቢ ካብ ድኽነት ንኽላቐቕ  ካብ ዝፈፀሞም ተግባራት ሓረስታይ ናይ ባዕሉ ቀዋሚ ሃፍቲ ክህልዎ ዋንነት መሬት ተረጋጊፁሉ እዩ ክብል ዘቕረቦ ሓሳብ፤ ተኣካቢ  ህዝቢ ከም ዝተቓወሞ ድሕሪ ምግላፅ፤ እቲ ብተኣከብቲ  ዝቐረበ ናይ ተቓዉሞ ሓሳብ ድማ ሓረስታይ ናይ መሬት ዋንነት ረኺቡ እትብሉና ዘለኹም ኣብ ዘድልየኩም እዋን  ካብ ድኻ  መሬት  እናመንጠልኹም ዶ ኣይኮንኩምን ብሽም ሊዝ  ብምሻጥ ንወልቃዊ ረብሓኹም ተውዕልዎ ዘለኹም ብምባል ከም ዝነፀግዎ ተፈሊጡ፣

      ኣብ መወዳእታ እቶም ተኣከብቲ ወሲኾም እቲ ኣብ ሃገርና  ዘሎ  ድኽነት ጠንቑ ሕሕሕህሉፋት ስርዓታት እዮም ትብሉ ዘለኹም ኢሕወዴግ ናብ ስልጣን ካብ ዝመፅእ ቀሊል ዓመታት ኣየቑፀረን። ንህዝቢ ብሽም ሕሉፋት ስርዓት ኣመኻንኹም ክተታልልዎ ኣይትፈትኑ፤ ድኽነት ብኣኼባታትን ብምኽንያታትን ኣይጠፍእን ከም ዝበሎም እቲ ሓበሬታ የመልክት፣