Thursday, October 30, 2014

ኣብ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ ዝርከቡ ካድረታት ህወሓት ኢህወዴግ ሰሪሖም ዕለታዊ መነባብሮኦም ንዝመርሑ ንፁሃት ዜጋታት ምስ ዴምህት ተሓባቢርኩም ብምባል ኣሲሮም የሳቕዩዎም ከም ዘለው ምንጭታትና ሓቢሮም፣





ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ብ8 ጥቅምቲ 2007ዓ/ም ኣብ ወረዳ ላዕላይ ኣድያቦ፤ ጣብያ ምድረ ፈላሲ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት  ከይዶም ኣብ’ቲ ከባቢ ብባህላዊ መንገዲ ወርቂ ኣብ ምእራይ ዝተዋፈሩ ዜጋታት ንዴምህት መንገዲ ትመርሑ ኢኹም፤ ስንቂ ተቐብልዎም ኢኹም ወዘተ… ብዝብል ዒባራ ምኽንያት 15 ሰባት ኣብ ከተማ ዓዲ ነብሪ-ኢድ ኣሲሮም የሳቕይዎም ከም ዘለው  ተፈሊጡ፣
  
    ካብ’ቶም ኣብ ከተማ ዓዲ ነብሪ ኢድ ተኣሲሮም ዘለዉ ንፁሃት ዜጋታት ንገሊኦም ንምጥቃስ፦ ተኽላይ ገብረመድህን፤ ሰለሙን ዝተብሃለ ንግዚኡ ሽም ኣቡኡ ዘይተፈልጠ፤ ፅገ ወልደዮሃንስ ዝተብሃለት ጓል ኣነስተይትን ካልኦትን ዝርከብዎም እንትኾኑ፤ እዞም ንፁሃት ወገናት ዝፈፀምዎ ገበን ዘይብሎም ብምእሳሮም ሕግን ስርዓትን ዘይብሉ መንግስቲ ክብሉ መረረቶም ይገልፁ ከም ዘለው እቲ ሓበሬታ ወሲኹ የረድእ፣