Saturday, November 29, 2014

ነበርቲ ከተማ ዓብዪ ዓዲ ዝፈፀምዎ ገበን ዘይብሎም ብካድረታት ገዛኢ ዉድብ ኢህወዴግ እናተሃድኑ ይእሰሩ ምህላዎም ምንጭታትና ካብ’ታ ከተማ ዝለኣኽዎ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



  ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና  ቅድም  ክብል ኣብታ ከተማ  ናይ ውድብ ዓረናን መድረኽን ናይ ኣይተ ስየ ኣብርሃ መልእክቲን ዝሓዘ  ወረቓቕቲ ተበቲኑ ምንባሩ ድሕሪ ምግላፅ ነዚ ምኽንያት ብምግባር ካድረታት እቲ ስርዓት ንዝጠርጠርዎ ነባሪ እታ ከተማ የፋራርሕዎን ይኣስርዎን ካብን ናብን ተንቀሳቒሱ መነባብርኡ ከይመርሕ ድማ የተዓናቕፍዎን ምህላዎም ተፈሊጡ።

     እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ ካብቶም ዝተኣሰሩ ሓደ ኣይተ ካሕሳይ ዝተብሃለ ወገን እንትኾን ንሱ  ኣብ ስራሕ  ንግዲ ተዋፊሩ ዕለታዊ መናባብርኡ ዝመርሕ ሰላማዊ ዜጋ ምዃኑ ድሕሪ ምግላፅ ደቂስሉ ካብ ዝነበረ ኣሉላ ሆቴል   ኣውፂኦም ንስኻ ፀጉረ ለወጥ ኢኻ ብዝብል ፈጠራ ኣሲሮም ከም ዝወሰድዎ ተገሊፁ።

   ከም ዝፍለጥ ኣብ ከተማ ዓብዪ ዓዲ ዝርከቡ ካህናት ነቲ ዝተበተነ ወረቓቕቲ ብኣኹም እዩ ተፈፂሙ እናተብሃሉ ብካድረታት ይእሰሩ ከም ዝቐነዩ ኣብ ዝሓለፈ ዜናታትና ገሊፅና ምንባርና ሕዚ እዉን እንተኾነ እቲ  ንካህናት ናይ ምእሳር ስጉምቲ ገና ይቕፅልሉ ምህላዎም እቲ ሓበሬታ ኣብ መወዳእታ የረድእ።