Saturday, November 29, 2014

ጉጅለ ኢህወደግ ንናይ ባዕሉ እከይ ተግባራት ንምሽፋን ክብል ንሕሉፋት ስርዓታት እናወቐሰ ኣብ ከተማ ኣዳማ ንዘካይዶ ዘሎ ጎስጓስ ማሕበረሰብ እታ ከተማ ይቃዎሞ ምህላዉ ተፈሊጡ።



ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከም ዘማላኽቶ ብ10 ሕዳር 2007 ዓ/ም ፀረ ዴሞክራሲ ገዛኢ ዉድብ ኢህወደግ ኣብ ርእሰ ከተማ ናይ’ቲ ክልል ንህዝቢ ኣኪቡ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ዝፍፅሞ ዘሎ ክፋእ ክሽፍን ኢሉ ካድረታቱ ብምዉፋር ቅድሚኡ ንዝነበሩ ገዛእቲ ስርዓታት እናወቐሰ  ንዘከይዶ ዘሎ ጎስጓስ ተኣከብቲ ሙስሉይ ስርዓት ብምባል ከም ዝተቓወምዎ ተገሊፁ።

ስርዓት ኢህወዴግ  ህዝባዊ ሓላፍነት ንዘይስምዖም ኣባላት ኦህዴድ ናብ ምሉእ እቲ ክልል ኣዋፊሩ ታሪኻዊ ጌጋታት ይፍፅም ምህላዉ ኣብ ዝሓለፉ ዜናታትና ገሊፅና ምንባርና ይፍለጥ።