Wednesday, November 26, 2014

ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ዕለታዊ ስራሕቶም ንምስላጥ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝንቀሳቐሱ ንፁሃት ዜጋታት ብፌዴራል ፖሊስ ተጨዉዮም ይጠፍኡ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ።



ብመሰረት ሓበሬታ ምንጭታትና ካብ ሑመራ ናብ ዲማ ብዝወስድ መስመር ፅርግያ ብ5 ሕዳር 2007 ዓ.ም ዉልቃዊ ንጥፈታቶም ንምስላጥ ብእግሮም ዝጓዕዙ ዝነበሩ በለጠ ገብርሂወት ዝተበሃለ ዝርከቦም ሓሙሽተ ዜጋታት ዝፈፀምዎ ገበን ዘይብሎም ኣባላት ፌዴራል ፖሊስ ኣብ መንገዲ ፀኒሖም ከም ዝጨወይዎም ተፈሊጡ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዘረድኦ እዞም ዜጋታት ሰሪሖም ህይወቶምን ስድርኦምን ካብ ምምራሕ ወፃኢ ብካልእ ከም ዘይፍለጡ ብነባሪ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ዝንገረሎም ንፁሃት ከም ዝኾኑ ድሕሪ ምግላፅ ፌዴራል ፖሊስ ጨዉዮም ከም ዝወሰድዎም ዝፈለጡ ቤተሰቦም ሃለዋቶም ንምርግጋፅ ይምልከቶም ንዝበልዎም ኣካላት ሓቲቶም ክሳብ ሕዚ ኣበይ ከም ዘለዉ ክንገሮም ከም ዘይከኣለ ኣፍሊጡ።