Wednesday, November 26, 2014

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ መናእሰይ ደገፍቲ ተቓወምቲ ዉድባት ብዝብል ዕድል ስራሕ ይኽልከሉ ከም ዘለዉ ተሓቢሩ።



መረፃ 2007 ዓ.ም ዝካየደሉ እዋን እናተቓረበ ብዝኸዶ ቁፅሪ ተቓወምቲ ዉድባት ምስ ዘካይድዎ ዘለዉ ጎስጓስ ተኣሳሲሩ ደገፍ ህዝቢ ንከይረኽቡ ተባሂሉ ኣብ ስልጣን ብዝርከብ ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ዝተፈላለዩ ሽርሕታት ይፍፀም ምህላዉ ዝጠቐሰ እቲ ሓበሬታ ብምዃኑ ድማ ነባሪ ህዝቢ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ለዉጢ ደልዩ ንተቓወምቲ ክድግፍ ዝተዓዘቡ ካድረታት እቲ ስርዓት ሰሪሑ ከይበልዕ ከልኪለሞ ከም ዘለዉ ኣፍሊጡ።

 ኣመሓደርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተረካቢ ሃገር ዝበሃል መንእሰይ ወለዶ በቲ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ዘካየዱሉ ተደጋጋሚ ጎስጓስ ኣባል ኢህወደግ  ካብ ምዃን ሓንጊዱ  ካልእ መማረፂ ዉድብ ብምድጋፉ ኣብ ዓብዪ ስግኣት ወዲቖም ስለ ዘለዉ ከም ግብረ መልሲ ዝኾነ ስራሕ ዕድላት ከልኪሎም ኣብ ከቢድ ማሕበራዊ ፀገም ክወድቕ ገይረሞ ብምህላዎም ነዚ ፍትሒ ንምርካብ ናብ ከንቲባ ደሪባ ኩማ ጠሪዖም ክሳብ ሕዚ ፍታሕ ከም ዘይተገብረሎም እቲ ሓበሬታ ኣረዲኡ።