Wednesday, December 10, 2014

ጀነራል ሞላ ሃይለማርያም እቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊኡ እምነት ስለ ዝሰኣነ ካብ ሓላፊ ሓይሊ ኣየር ተኣልዩ ተኣሲሩ ድሕሪ ምፅናሕ ሕዚ ሓላፊ ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ብላቴ ኮይኑ ከም ዝተመደበ ተሓቢሩ።



   ብመሰረት እቲ ልሒኹ ዝበፅሓና ሓበሬታ ጀነራል ሞላ ሃይለማርያም ኣብ ዘመነ ስልጣን ገዛኢ ጉጅለ ኢህወዴግ ንነዊሕ ዓመታት ሓላፊ ሓይሊ ኣየር ኮይኑ ክሰርሕ ድሕሪ ምፅናሕ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብዝተፈላለየ ምኽንያታት  ካብ ዝነበሮ መዝነት ወሪዱ ተኣሲሩ ከም ዝነበረ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ሓላፊ ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ብላቴ ገይሮም ከም ዝመደብዎ ተፈሊጡ።
   እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዘረድኦ ጀነራል ሞላ ሕዚ ተመዲብሉ ዘሎ ሓላፍነት በቶም ናይ ቀረባ መሳርሕቱ ዝነበሩ ሰባት ኣግባብ ዘለዎ ኣመዳድባ ኣይኮነን ልዕሊኡ ክመርሕን ከመሓድርን ዓቕሚ ዝዉንን ከም ዝኾነ ምስ ናይ ባዕላቶም ድሕሩ ዝመፆም ስግኣት ኣተሓሒዞም ኣብ ምዝራብ ከም ዝርከቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።