Wednesday, December 10, 2014

ገዛኢ ዉድብ ኢህወዴግ ዝኽተሎ ዘሎ ኣሰራርሓ ዝቃወሙ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ምክልኻል ሰራዊት ኣብ ልዕልኦም ምኽንያታት ብምፍጣር ናይ ምእሳርን ምብራርን ስጉምቲ ተጠናኺሩ ይቕፅል ምህላዉ ምንጭታትና ሓቢሮም።



   ኣብ ሰሜን እዝ ሓላፊ ወታደራዊ ጋራዥ ዝነበረ ኮነሬል ወዲ ስዩምን  ኣዛዚ ናይ መበል 11 ክፈለ ሰራዊት ዝነበረ ንጉሰ ወለጨርቆስን ኣብ እሱር ከም ዝርከቡ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ መእሰሪኦም ምኽንያት ከኣ ሰበ ስልጣን ኢህወዴግ ነቶም ታሕተዎት ኣባላት ሰራዊት ኣኪቦም ገንዘብ ኣጠፋፊኦም ኢና ኣስርናዮም እንትብልዎም ነቶም ካብ ኮነሬል ንላዕሊ መዓርግ ዘለዎ ኣኪቦም ከኣ ምስ ተቓወምቲ ርክብ ስለ ዝፀንሖም እዮም ተኣሲሮም ክብሉ ከም ዝነገርዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
   እቲ ልሒኹ ዝበፅሓና ሓበሬታ ከም ዝገለፆ ሓቀኛ ምኽንያት መእሰሪኦም ናይቶም ኣዘዝቲ ሰራዊት ግን ሰበ ስልስጣን እቲ ስርዓት ዝኽተልዎ ዘለዉ ኣካይዳ ትኽክል ከም ዘይኮነ ኣብ ዝተፈላለዩ መድረኻት ክቃወሙ ብምፅንሖም ጥራሕ ከም ዝተኣስሩ ኣረዲኡ።
   ብተመሳሳሊ ኣብ ላዕለዋይ ፀፍሒ ምክልኻል ሰራዊት ኮይኖም ክመርሑ ካብ ዝፀንሑ ሓደ ዝኾነ ሌቴናል ጀነራል ኣበባዉ ታደሰ ንስኻ ሃምኻን ቀልብኻን ምሳና የለኻን ብዝብል ምኽንያት ካብ ዝነበሮ ስራሕ ሓላፍነት ከም ዝተባረረ ኣብ ናይ ዝሓለፈ ዜናና ገሊፅና ምንባርና ይፍለጥ።