Wednesday, January 21, 2015

ላዕለዎት ጀነራላት ኢህወዴግ በቲ ስርዓት ኣብ ልዕሊኦም ዝፍፀም ዘሎ ተግባራት ብምቅዋም ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር እቲ ስርዓት ናይ ቅሬታ ደብዳቤ ከም ዝፀሓፉ ተፈሊጡ።



ብመሰረት ካብ ስታፍ ምክልኻል ልሒኹ ዝበፀሓና ሓበሬታ ኣብ ላዕለዋይ ፀፍሒ ምክልኻል ሰራዊት ክሰርሑ ዝፀንሑ ላዕለዎት መኮንናት ሌቴናል ጀነራል ኣበባዉ ታደሰ፤ ሌቴናል ጀነራል ሰዓረ መኮነንን ሜጀር ጀነራል ሞላ ሃይለማርያምን ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝፈፀሞ ተግባር ትኽክል ኣይኮነን ብምባል ኣብዚ ሰሙን እዚ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ናይ ቅሬታ ደብዳቤ ከም ዝፀሓፉ ተገሊፁ።

    ንሳቶም ካብቲ በብዉልቆም ዝፀሓፍዎ ደብዳቤ ገለ ንምጥቃስ፦ ኣበባዉ ታደሰ ንምንታይ ብዘይ ኣገባብ ተባሪረን መሰል ጡሮታ ዘይሕለወለይን ዝበለ እንትኾን ስዓረ መኮነን ድማ ካብ’ቲ ቅድም ዝነበርክዎ ስራሕ ቦታይ ንምንታይ ተላዒለ ክምለስ ኣለኒን ኣብዚ ተመዲበሉ ዘለኹ ብነፃነት ክሰርሕ ኣይክኣልኩን ዝብል ዝርከቦ እንትኾን ሞላ ሃይለማርያም ድማ ኣነ እንታይ እዩ በደለይ፤ ትኣስሩንን ተንገላትዑንን ዘለኹም ዝብል ቅሬታት ዝሓዘ ደብዳቤ ከም ዝኾነ ተፈሊጡ።

     ሃይለማርሃም ደሳለኘ ብወገኑ ኣነ ታሪኽ ህይወትኩም ኣይፈልጦን ብምባል ንኣባይ ፀሃየን በረኸት ስምኦንን ፀዊዑ ብዛዕባ እቲ ዘቕረብዎ ጥርዓን ከም ዝተዘራረቡ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ንገሊኦም ፖለቲካዊ ምንቅስቓስኩም ስለ ዝሓመቐ ክትባረሩ ግድን እዩ እንትብልዎም ንገሊኦም ድማ ገንዘብ ኣጠፋፊእኹምን ሽግራት ይፈታተነኩምን ስለ ዘሎ ኣብ ዝተመደብኩሞ ዓሪፍኩም ስርሑ ከም ዝበልዎም ክፍለጥ ተኻኢሉ።