Wednesday, January 21, 2015

ኣብ ከተማ ዓብደ ራፍዕ ዝርከቡ ፖላዊስን ፌዴራል ፖለሲን ኣብ ሆቴላት ኣትዮም ናይ ዝበልዕዎን ዝሰተይዎን ሒሳብ ከይከፍሉ ይኸዱ ምህላዎም ካብ’ቲ ከባቢ ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።



ብመሰረት እቲ ሓበሬታ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ዓብደ ራፍዕ ዝርከቡ  ዕጡቛት ፖላዊስን  ፌዴራል ፖሊስን ጉጅለ ስርዓት ኢህወዴግ ብተወለድቲ ክልል ትግራይ ኣብ ዝውነኑ ሆቴላት  ብምእታው ናይ ዝበልዕዎን ዝሰተይዎን ሒሳብ ከይከፈሉ ይኸዱ ምህላዎም ድሕሪ ምግላፅ ሰብ ትካላት ነቲ ዝወርዶም ዘሎ በደል ናብ ዝምልከቶም ኣካላት ጥርዓኖም እንተቕረቡ ዝዋሃቦም ዘሎ ምላሽ “ዓድኹም ኪዱ ኣብዚ እንታይ ኣለኩም” እናበሉ ካብ ቤት ፅሕፈት ይሰጉዎም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።
  እቶም ሰበ ስልጣን ናይቲ ክልል ኣብ መንጎ ክልትኡ ህዝብታት እቲ ግጭት ከይጠፍእን በሰላ ምእንቲ ክገድፍን ኮነ ኢሎም ሸርሕታት ይሰርሑ ምህላዎም ድሕሪ ምግላፅ እዚ ድማ ክልትኡ ህዝቢ ከፋፊሎም ዕድመ ስልጣኖም ንምንዋሕ ይጥቀምሉ ካብ ዘለዉ ሜላ ሓደ ምዃኑ ብዙሓት ተዓዘብቲ ይገልፁ።
      እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ውልቀ-መላኺ ስርዓት ህወሓት-ኢህወዴግ ብሄር ብሄረሰባት ሃገርና ተኸባቢሮምን ተፋቒሮምን ይነብሩ ኣለው እናበለ ብስም በዓል ብሄር ብሄረሰባት ዘኽብሮ ናይ ይምሰል ንሸፈጥን ብእኡ ኣቢሉ ዕድመ ስልጣኑ ንምንዋሕ ምዃኑ ይፍለጥ።