እቲ ሓበሬታ ከም ዘገለፆ ነቲ
ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ይስራሕ ኣሎ ዝብሃለ ፕሮጀክት ፋብሪካ ሽኮር መስርሒ ክዉዕል እናተብሃለ ዝለኣኽ ናይ ህንፃ መሳርሒ ኣካየድቲ ስራሕ ናይ’ቲ
ፕሮጀክት ምስ ወልቀ ነጋዶ እናተመሻጠሩ ብምሻጥ መደለቢ ዉልቃዊ ሃፍቶም ይገብርዎ ምህላዎም ድሕሪ ምግላፅ ብፍላይ ሓላፊ እቲ ስራሕ
ዶ/ር ገብረመሰቀል ዝተበሃለ ምስ ዓቃቢ ንብረት ብምዃን ከም ቴንዲኖ፤ ሰሚንቶ፤ ቀርቆሮ፤ ኣስካፋለን ካልእን ንብረት ብመኪና ፂዒኖም
ናብ ከተማ ጎንደር ብምወሳድ ከም ዝሸጥዎ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቶም ንብረት ህዝብን ሃገርን ኣብ ምስራቕ ዝተዋፈሩ ሓለፍቲ ናይቲ ፕሮጃክት
ነቲ ዝሰረቕዎ ናይ ህናፃ መሳርሒ ብ25 ታሕሳስ 2007 ዓ/ም ብታርጋ ቁፅሪ 21652ን ብ16523 ብዝፍለጣ ክልተ መካይን ፂዒኖም
ኣብ ከተማ ጎንደር ንዝርከብ ኣይተ ተመስገን ዝተብሃለ ወናኒ መኽዘን
ከም ዝሸጥሉ ክፍለጥ ተኻኢሉ።